Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝሓለፉ 30 መዓልታት ሰላም ኣብ ምስፋንን ትካላት ናብ ስሩዕ ስራሕ ኣብ ምምላስን ውፅኢታዊ ስራሕቲ ተኻይዶም – ሺሻይ ኣማረ (ዶ/ር)

ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝሓለፉ 30 መዓልቲታት ሰላም ኣብ ምዕሳልን ትካላት ናብ ስሩዕ ስራሕ ኣብ ምምላስን ውፅኢታዊ ተግባራት ተወጊኖም – ሺሻይ ኣማረ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝሓለፉ 30 መዓልታት ሰላም ኣብ ምዕሳል፣ መንግስታዊ ትካላትን ንግዳዊ ምንቅስቓሳትን ናብ ስሩዕ ስራሕ ኣብ ምምላስን ውፅኢታዊ ስራሕቲ ተኻይዶም ኢሎም ኣብ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ከንቲባ ከተማ መቐለ ሺሻይ ኣማረ (ዶ/ር)።

እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣፈፃፅማ ስራሕ ዝሓለፉ 30 መዓልታት ምስ ዝተፈላለዩ ኣቢያተ ፅሕፈት ኣብ ዝገምገመሉ እዋን ከምዝተሓበሮ፤ ትካላት ኣገልግሎት መንግስቲ ስራሕ ብምጅማረን ሰራሕተኛታት ናብ ስራሕ ቦታኦም ተመሊሶም ክፍሊት መሃያ ክፍፀመሎም ተገይሩ እዩ።

እንተኾነ ግን ሰራሕተኛታት ሰዓት ስራሕ ብምኽባር ኣብ ስራሕ ኣብ ምርካብ ውሱን ክፍተት ከምዘሎ ኣብቲ ገምጋም ተላዒሉ።

ኣብ ዘፈር ንግዲ እውን ብመሰረት ዝተቐመጠ ኣንፈት፣ ምንቅስቓሳት ናብ ስሩዕ ኩነታት ከምዝተመለሱን መሰረታዊ ኣቑሑትን ነዳዲን ናብታ ከተማ ምእታው ምጅማሮም ዝሓሸ ኢኮኖሚያዊ ምንቕቓሕ ንኽፍጠር ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ቤት ፅሕፈት መገዲን ትራንስፖርትን እታ ከተማ ተርሚናል ኣውቶቡስ ብምኽፋት ናብ መቐለ ዝኣትዉን ካብ መቐለ ዝወፅኡን ጉዕዞታት ሰላማዊን ድሕንነቶም ዝተሓለወን ንክኾኑ ዓብዪ ስራሕ ከምዝተወገነ ተገሊፁ።

ኣብ ዘፈር ፀጥታ ከቢድ ገበናት ኣብ ምክልኻል ሰላም እታ ከተማ ንምርግጋፅ መናእሰይ ብምውዳብን ህዝቢ ብምስታፍን ምስ ኣካላት ፀጥታ ብምውሃድ ከባቢ ናይ ምሕላው ስራሕቲ ከምዝተኻየዱ ተሓቢሩ።

ከንቲባ እታ ከተማ፣ ኩሎም ኣቢያተ ፅሕፈት ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ብምኽታል ንህዝቢ ብዝሐሸ ብቕዓትን ትግሃትን ከገልግሉ ከምዘዘኻኸሩ ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.