Fana: At a Speed of Life!

ኢኮኖሚያዊ ርክብ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ዘለወን ንምጥንኻር ዝዓለመ ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ዲፕሎማሲ ንግዲ ብምዕባይ ኢኮኖሚያዊ ርክበን ንምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ዘተ ኣካይደን።

ሚኒስትር ገንዘብ ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ብምክትል ሓጋዚ ፀሓፊ ጉዳያት ኣፍሪካ ሚኒስቴር ንግዲ ኣሜሪካ ማርክ ሚሼል ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ተዛትየን።

ኣብቲ እዋን ዘተ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ብምስፋሕ ንሽርክነት ዘፈር ውልቀ ሓደሽቲ ዕድላት ብምፍጣርን ዲፕሎማሲ ንግዲ ብምዕባይን ኢኮኖሚያዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምዕባይ ኣብ ዝከኣለሉ መገዲ ተዛትዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ብሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ነቲልኡኽ መብርሂ ዝተውሃበ እንትኸውን፤ ኣብ ተሳትፎ ኢንቨስትመንት ሰብሃፍቲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ንምዕባይ እውን ሓሳባት ተለዋዊጦም።

እቶም ምክትል ሓጋዚ ፀሓፊ ኣብቲ እዋን፤ ሚኒስቴር ንግዲ ኣሜሪካ ንንግዳዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻርን ኩባንያታት ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎም ተሳትፎ ኢንቨስትመንት ንምዕባይን ብቆራፅነት ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም።

ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ፕሮጀክት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ እውን ዝተዛተዩ እንትኾኑ፤ እቲ ፕሮጀክት ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ወሳኒ ዕድል ምዃኑ ኣብሪሆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.