Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ትግራይ ንምውጋድ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዘርአዮ ቆራፅነት ልዑል ፅንዓት ዝተራኣየሉ እዩ – ከንቲባ ሺሻይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ህዝቢ ትግራይ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንምውጋድ ዘርአዮ ቆራፅነት ልዑል ፅንዓትን ብርተዐን ዝተርኣየሉ እዩ ኢሎም ኣብ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ከንቲባ ከተማ መቐለ ሺሻይ ኣማረ (ዶ/ር)።

አዓል ሓደራ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣፈፃፅማ ዝሓለፉ 30 መዓልታት ገምጊሙ።

ከንቲባ ሺሻይ (ዶ/ር) ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፤ ኣብታ ከተማ ዓውዲ ኣገልግሎት ብቕልጡፍ ናብ ስራሕ ንምእታው ዝተውሃበ ትኹረት እቲ ስራሕ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ክዛዘም ከምዝገበረ ገሊፆም።

ዝተፈጥሩ ውዳበታት ፀጥታ ኣብዚ እዋን ንመቐለ ተኹሲ ዘይስመዐላ ከተማ ናብ ምግባር ይሰጋገሩ ከምዘለዉ ብምሕባር፤ ኣብታ ከተማ ሰላም ምርግጋፅ ቀዳማይ ትኹረት ከምዝተውሃቦ ኣብሪሆም።

ኣብ መቐለ ልምዓት ኮሪደር ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ንምክያድ ስራሕ ከምዝተጀመረ ብምሕባር ኣብ መቐለ ውሳነ ኮማንድ ፖስት ብምትግባር ሕብረተሰብ ሰላሙ ክሕሉ ዘኽእሎ ዕድል ከምዝተፈጥረ ተዛሪቦም።

ስነ ልቦና ሕብረተሰብ ናብ ሰላማዊን ፍትሓዊን ምንቅስቓስ ንምምላስ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት መድረኻት ዘተ ከምዝተዳለዉ እውን ገሊፆም።

ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝምልከት ኣብ ምቹው ኣገባብ ብምድራኽ ቀረብ ንምጥንኻር ይስራሕ ከምዘሎ ኣመልኪቶም።

ብዛዕባ ኣገልግሎታት ምምሕዳር ከተማ ኣብታ ከተማ ዝረኣዩ ዘይሕጋዊ ተግባራት ናይ ምክትታልን ምእጋድን፤ ከምኡ እውን ድሕንነት ዝተፈላለዩ ክፍሊታት ኣገልግሎት ናይ ምሕላው ስራሕቲ ትኹረት ከምዝተውሃቦም ኣብሪሆም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

ብኣሸናፊ ሽብሩ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.