ሕቶ ወናንነት ባሕሪ ኢትዮጵያ ሓባራዊ ተረባሕነት ዘረጋግፅ መሰረታዊ ጉዳይ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕቶ ምውናን በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዞባዊ ሓባራዊ ተረባሕነት ዘረጋግፅ ወሳኒ ጉዳይ እዩ ኢሎም ነበር ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሞቱማ መቃሳ።
ኣይተ ሞቱማ መቃሳ ከምዝገለፁዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዘለዋ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ብታሪኽ ኮነ ብሕጊ በሪ ባሕሪ ናይ ምውናን መሰል ኣለዋ።
ኢትዮጵያ ቁጠባኣ ኣብ ዕቤት ዝርከብ ዓባይ ሃገር ብምዃና፤ እዚ ዕቤት እዚ ተዓፊኑ ክቕፅል ከምዘይኽእል ብምግላፅ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ኣዝያ ቀረባ ርሕቐት ምህላዋ እውን ነቲ ጉዳይ ኣብ ተግባር ንምውዓል ዘኽእል ምዃኑ ኣመልኪቶም።
ብታሪኽ ናይ ኢትዮጵያ ዝነበረ በሪ ባሕሪ ክምለስ ዘለዎ ናይ ህላወ ጉዳይ ብምዃኑ፤ ሕዚ ዝተጀመረ ፃዕሪ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊፆም።
ብመሰረት ዓለም ለኸ ሕጊ ኢትዮጵያ ነቲ ወደብ ናይ ምጥቃም መሰላ ዝተሓለወ ምዃኑ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ንዞባዊ ሰላምን ድሕንነትን ኣገዳሲ ምዃኑ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።
ሕቶ ምውናን በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ መልሲ ምርካብ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንሓባራዊ ተረባሕነት ወሳኒ ብምዃኑ፤ ሃገራት እቲ ዞባ ክድግፍኦ ከምዘለወን ገሊፆም።