ዓቢዪ ስትራተጂ መደመር ካብ ሓደ ወለዶ ናብ ካልእ ወለዶ ዝሰጋገር ጉዕዞ ስልጣነ የድሊ እዩ ብዝብል ሓሳብ ዝተዳለወ እዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓቢዪ ስትራተጂ መደመር ካብ መንግስቲ ንላዕሊ ካብ ሓደ ወለዶ ናብ ካልእ ወለዶ ዝሰጋገር ጉዕዞ ስልጣነ የድሊ እዩ ብዝብል ሓሳብ ዝተዳለወ እዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብ 1ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 4ይ ስሩዕ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምርካብ ኣባላት ባይቶ ንዘቕረቡዎም ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ሂቦም።
ኣብ ዓቢዪ ስትራተጂ መደመር ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፤ ኢትዮጵያ ሃፍታም እናሃለወት ዜጋታታ ድኻታት ዝኾኑሉ ኩነታት ብኸመይ ምልዋጥ ከምዝከኣል መፅናዕቲ ከምዝተኻየደ ገሊፆም።
ኣበይ ክንበፅሕ ንደሊ ንዝብል ሕቶ ዝቕይሩ ሸቶታት ኣቐሚጥና ኢና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትሩ፤ እቲ ስትራተጂ ብኸመይ ዓቕሚ ናብኡ ክንበፅሕ ከምንኽእል ዘካተተ እዩ፤ ኣንፈትና እውን ብንፁር ዘርእየና እዩ ኢሎም።
ልምዓት ምስ መፅአ ብኸመይ ክመሓደር ኣለዎ ዝብል ከምዝተቐመጠ ብምግላፅ፤ እዚ ንምትግባር ሃገር ዝህነፀሎም 15 ሞዴላት ከምዝተዳለዉ ኣመልኪቶም።
ስልጣነ እንሃንፅ ንወለዶ እዩ፤ ብናተይ እምነት ደቂ ደቅና መሰረቱ ክረግፅዎ እዮም፤ ደቅና ድማ ነቲ ዓንዲ ክሕዙ እዮም ኢሎም።
ንምህናፅ ምዕዳል ፅቡቕ ነገር ምዃኑ ብምሕባር፤ ሃኒፅካ ናብ ዝቕፅል ወለዶ ምስግጋር ግና ጥበብ ዝሓትት ምዃኑ ተዛሪቦም።
እዚ ወለዶ እዚ ሃናፂ ወለዶ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ዓቢዪ ስትራተጂ መደመር ካብ መንግስቲ ንላዕሊ ካብ ሓደ ወለዶ ናብ ካልእ ወለዶ ዝሰጋገር ጉዕዞ ስልጣነ የድሊ እዩ ብዝብል ሓሳብ ከምዝተዳለወ ገሊፆም።