Fana: At a Speed of Life!

ማንም ናብ ዶብ ኢትዮጵያ ኣትዩ፤ ንኢትዮጵያ ወሪሩ ብኽብሪ ኣይምለስን – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ማንም ናብ ዶብ ኢትዮጵያ መፂኡ፤ ንኢትዮጵያ ወሪሩ ብኽብሪ ክምለስ ከምዘይክእል ኩሉ ክፈልጥ ኣለዎ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ 1ይ ዘበን ስራሕ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 4ይ ስሩዕ ጉባኤ ብምርካብ፤ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዘቕረቡሎም ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ሂቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ንዝኾነት ሃገር ወሪራ ኣይትፈልጥን ኣብ መፃኢ እውን ከምዚ ዝበለ ድሌት የብላን።

ንኣሽተይ ይኹን ዓብዪ ክፈልጥ ዘለዎም ጉዳይ ግን ማንም ናብ ዶብ ኢትዮጵያ መፂኡ፤ ንኢትዮጵያ ወሪሩ ብኽብሪ ክምለስ ኣይኽእልን ክብሉ ብኣፅንኦት ተዛሪቦም።

እዚ ጉዳይ ብጂኦግራፊያዊ ቅርበትን ብርሕቐትን ዝተገደበ ኣይኮነን፤ ኣይትፈትኑና ኣይንደልየኩምን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣንፃርና ዝመፅእ እንተሃልዩ ግን ዓድዋ ክድገም ክብሉ ኣጠንቂቖም።

ብስትራቴጂ ምክልኻል ኣቢሉ ኣብ ኩሎም ዓንዲታት ዘይብዳህ ጥንኩር ሰራዊት ይህነፅ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ሰራዊት ምክልኻል ከም ገዛ እዩ፤ ንበይኑ እንተሃኒፅናዮ ኣይፀንዕን ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/)፤ ዕቤት ኢኮኖሚ ሰራዊት ምክልኻል ክሽከም ዝኽእል ምዃኑ ምርግጋፅ ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።

ሰራዊት ምክልኻል ብሓደ ዓምዲ ጥራሕ ክቐውም ስለዘይኽእል፤ ኩሎም ዓንዲታት ክህነፁ ከምዘለዎም ብምግላፅ፤ እቶም ዓንዲታት ድማ ናይ ኣየር፣ ናይ ምድሪን ናይ ቴክኖሎጂን ምዃኖም ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ ድማ ብስትራቴጂ ምክልኻል ኣቢሉ ኣብ ኩሎም ዓንዲታት ዘይብዳህ ሓያል ሰራዊት ይህነፅ ከምዘሎ ብምግላፅ፤ ሰራዊት ምክልኻል ቴክኖሎጂ ብግቡእ ዝጥቀም ትካል ምግባሩ ውፅኢቱ እናተርኣየ ከምዝርከብ ገሊፆም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

ብሃይለማርያም ተገኝ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.