ምምስራት ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ትግራይ ኣፈላላያት ብዘተ ንምፍታሕ ዘኽእል እዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ምምስራት ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ክልል ትግራይ፤ ፓርቲታት ፍልልያቶም ብስልጡን ኣገባብ ብዘተ ንምፍታሕ ዓብዪ ሓገዝ ዝገብር እዩ ኢሉ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ።
ኣብ ክልል ትግራይ ዝንቀሳቐሱ 19 ፓርቲታት ፖለቲካ ዘጠቓለለ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ክልል ትግራይ ብዕሊ ተጣይሹ እዩ።
ኣካቢር ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሰለሞን ኣየለ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፤ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ጉዳያት ሉኣላዊነት ሃገርን ብሄራዊ ረብሓን ብሓባር ክሰርሑ ይግባእ።
ምምስራት ሓባራዊ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ፖለቲካዊ ሓይልታት ፍልልያቶም ብስልጡን ኣገባብ ብዘተ ንኽፈትሑ ዓልዑል ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ገሊፆም።
ፓርቲታት ፖለቲካ ኣፈላላይ ርእዮተ ኣለም እኳ እንተሃለዎም ኣብ ጉዳይ ሉኣላዊነት ሃገር፣ ዘላቒ ሰላም፣ ብሄራዊ ረብሓን ዳግመ ህንፀትን ብሓባር ክሰርሑ ፀዊዖም።
ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ መረፃ ሰላማዊን ተኣማኒን ንኽኸውን፤ ከምኡ እውን ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ንኽምለሱ ቀዳምነት ሂብካ ምስራሕ ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።
እቲ ብሄራዊ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ንሓባራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ክልል ትግራይ ኣድላዪ ዝኾነ ትካላዊ ሓገዝ ከምዝገብረሉ እውን ኣረጋጊፆም።
ምክትል ኣካቢ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣይተ ተስፋዬ ነዋይ ብወገኖም፤ እቲ ቦርድ ኣብቲ ክልል ናፃ፣ ዘይሻራዊ፣ ሞያዊን ኣሳታፊን ሓፈሻዊ መረፃ ንምክያድ ምድላዋት ይገብር ከምዘሎ ገሊፆም።
እቲ ሓዱሽ ቤት ምኽሪ ሕግታት መረፃን ናፅነቱን ኣኽቢሩ ብምንቅስቓስ ኣብ መንጎ ፓርቲታት ፖለቲካ ዝፍጠሩ ዘይምርድዳኣት ብዘተ ንምፍታሕ ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣብሪሆም።
ኣብ ቀፃሊ ምስ ፖለቲካዊ ፓርቲታት፣ ሲቪል ማሕበራትን መራኸቢ ሓፋሽን ተኸታታሊ ዘተታት ከምዝካየዱ እውን ኣመልኪቶም።