Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንዕቤት ከተማ ቢሾፍቱ እጃሙ ይፍፅም ኣሎ – ሌ/ጀነራል ይልማ መርዳሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሌተናል ጀነራል ይልማ መርዳሳ እቲ ሓይሊ ኣየር ንዕቤት ከተማ ቢሾፍቱ እጃሙ ይፍፅም ኣሎ ኢሎም።

መበል 91 ዓመት በዓል ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብምኽንያት ብምግባር ካልኣይ ውድድር ጉያ ጎደና 10 ኪሎ ሜትሮ ከተማ ቢሾፍቱ፣ “ሓይሊ ኣየርና መመክሒና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ተኻይዱ።

ሌተናል ጀነራል ይልማ መርዳሳ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን ከተማ ቢሾፍቱን ናይ ሓደ ሳንቲም ክልተ ገፃት ምዃኖም ገሊፆም።

ሓይሊ ኣየርን ከተማ ቢሾፍቱን እንተይተፈላለዩን እናዓበዩን እናለምዑን ዝኸዱ፣ ዘጋጥሙ ፀገማት እውን ብሓባር ዝፈትሑን ዝሰግሩን ምዃኖም ብምግላፅ፤ እቲ ትካል ብሽሙ ዝፅዋዕን ንከተማኡ ድምቀት ዝኾነን ዕዉት ውድድር ጉያ ምጅማሩ ኣዘኻኺሮም።

ከተማና ብተፈጥሮ ዝተዓደለት እያ ዝበሉ ሌተናል ጀነራል ይልማ መርዳሳ፤ ነታ ከተማ ብዝተወሃበ ትኹረት ልዑል ዕቤት ይምዝገብ ከምዘሎ ገሊፆም።

ዕቤት እታ ከተማ ንሓይሊ ኣየር ዓብዪ ዓወት ምዃኑ ብምሕባር፤ ሓንቲ ከተማ ዕቤታ ብሰለስተ ቀንዲ ነገራት ክረጋገፅ ከምዘለዎ ኣመልኪቶም።

ድሕንነት ከተማ፣ ፅርይቲን ንመነባብሮ ምችውትን ምዃና፣ ከምኡ እውን ቅልጡፍ ኣገልግሎት ምርግጋፅ ከምዘግባእ ብምግላፅ፤ ዕቤት ከተማ ቢሾፍቱ ብመንፅር እዚ ዝተቓነዐ ንኽኸውን ይስራሕ ምህላዉ ኣገንዚቦም።

እቲ ሓይሊ ኣየር ንዕቤት እታ ከተማ እጃሙ እተዋፀአ ከምዘሎ ብምግላፅ፤ ዓቕሚ ቱሪዝም እታ ከተማ ንምዕባይ እቲ ውድድር ጉያ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

ሰማይ ኢትዮጵያ ዝሕሉ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ሕብረተሰብ ተሓባቢሩ ከምዝሰርሕ እውን ኣረጋጊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.