Fana: At a Speed of Life!

መግለፂ ቅዋም መበል ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና

25 ጥሪ 2017 ዓ.ም “ካብ ቃል ክሳብ ባህሊ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 23 ክሳብ 25 ጥሪ 2017 ዓ.ም ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ መበል ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና፥ ኣሰር ብልፅግና ደሚቑ ዝተርኣየሉ፣ ካብ ትጣየሽ ድሕሪ 150 ዓመት ዳግም ትስራሕን ትዕምብብን…

ኣብ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ዝተዓደሙ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኣሓት ፓርቲታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ፓርክ እንጦጦ ዑደት ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ዝተዓደሙ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኣሓት ፓርቲታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ፓርክ እንጦጦ ዑደት ኣሳሊጦም። ፓርቲ ብልፅግና መበል ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤኡ “ካብ ቃል ክሳብ ባህሊ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ ትማኘሊ…

ኣሕዋት ፓርቲታት ጎረባብቲ ሀገራትን ኣባል ሃገራት ብሪክስን ምስ ፓርቲ ብልፅግና ብሓባር ንምስራሕ ዘለዎም ድሌት ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣሕዋት ፓርቲታት ጎረባብቲ ሀገራትን ኣባል ሃገራት ብሪክስን ምስ ፓርቲ ብልፅግና ብሓባር ንምስራሕ ዘለዎም ድሌት ገሊፆም። “ካብ ቃል ክሳብ ባህሊ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ ሎሚ መዓልቲ 23 ክሳብ 25 ግራ 2017 ዓ.ም ዝካየድ ካነ ስሩዕ…

ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዘሳልጦ ዘሎ መበል ካልኣይ ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመፅኡ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኣሓት ፓርቲታት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ

"ኢትዮጵያ ኩሉ ግዘ ዓንዲ ምብራቕ ኣፍሪካ ኢያ" ዋና ፀሓፊ ፓርቲ ፒፕልስ ራሊ ፎር ፕሮግረስ ጅቡቲ ኢልያስ ሙሳ ዳዋሌ "መንፈስ ሃርበኝነት ኢትዮጵያዊያን ቃልሲ ፀረ ባዕዳዊ ኣገዛዝኣን ስርዓት ኣፓርታይድን ንክቀፃፀል ገይሩ ኢዩ” ዋና ፀሓፊ ርክብ ወፃኢ ፓርቲ ዛኑ ፒኤፍ ዚምባቡዌ ሲምበርሼ…

ሕርሻ ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ ቴክኖሎጂን ሜካናይዜሽን ምትእትታውን ምጥቃምን ኣገዳሲ እዩ – ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብብርኪ ሃገር ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ምልላይ ፓሊሲ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ። እቲ መድረኽ፥ ምልላይ ሃገር ለኸ ፓሊሲ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ኣፈፃፅማኡ ዕውት ንምግባርን መዋቕራዊ ለወጢ ንምምፃእ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።…

መበል ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ሎሚ እውን ይቕፅል ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) "ካብ ቃል ክሳብ ባህሊ" ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተጀመረ መበል ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ሎሚ እውን ይቕፅል ኣሎ። ኣብቲ ጉባኤ፥ ምክትል ፕሬዚዳንት  ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ናይ እንቋዕ ደሓን መፃእኹም መልእኽቲ ምሕላፎም ስዒቡ…

ኣብ ትግራይ ኣብ 266 ኣብያተ ትምህርቲ፣ 84 ትካላት ጥዕናን ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ክስራሕ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ ሓገዝ ገንዘብ፥ ኣብ 14 ወረዳታት ትግራይ ኣብ 266 ኣብያተ ትምህርቲ 84 ትካላት ጥዕና 844 ትካላት ማይ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ከምዝስራሕ ተገሊፁ። ኣብ ምጅማር ብባንኪ ዓለም ዝፀደቑ ፕሮጀክታት ሕውየት ዝጠመተ…

ሊቨርፑል ሎሚ መዓልቲ ብቦርንማውዝ ክፍተን ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ ኣብ ዝካየድ መበል 24 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ  ቦርንማውዝ ምስ ሊቨርፑል ሰዓት 12 ዝገብርርዎ ግጥም ልዑል ቀልቢ ስሒቡ ኣሎ። ቦርንማውዝ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝገበሮም ፀወታታት፥ ንማንቸስተር ሲቲ፣ ኣርሰናል፣ ቶተንሃም፣ ኒውካስልን…

ኣይተ ኣደም ፋራህ ምስ ልኡኽ ፓርቲ ኮሚኒስት ኩባ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ምትሕብባር ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ኣይተ ኣደም ፋራህ ምስ ኣባላት ልኡኽ ፓርቲ ኮሚኒስት ኩባ ዘቲዮም። ኣይተ ኣደም፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብመሪሕነት ፓርቲ ብልፅግና ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ፣…

ኣይተ ኣደም ፋራህ ምስ ኣባል ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ፓርቲ ዩናይትድ ራሺያ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ምትሕብባር ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ኣይተ ኣደም ፋራህ ምስ ኣባል ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ፓርቲ ዩናይትድ ራሺያን ምክትል ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢ ሴንተርን ሴኔትን ፌዴሬሽን ሩሲያን ኣንድሬይ ክሊሞቭ  ዘቲዮም።…