Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት ኣብ ሽግግር ግብርናን ፍሪያትን ጠሚትና ዝሰራሕናዮ ስራሕቲ ተስፋ ዝህቡ ውፅኢታት ኣምፂኡ ኢዩ-ቀ/ሚ ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝተረኸብሉ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ካብ ጥምየት ነፃ ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብቲ ኮንፈረንስ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሓዊሱ፥ ኣቦ መንበር ኮመኒሽን ሕብረት ኣፍሪካ…

ተቛሪፁ ዝፀንሐ ፕሮጀክት ፅገና ሓወልቲ ኣኽሱም ከምዝጅመር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ተቛሪፁ ዝፀንሐ ፕሮጀክት ፅገና ሓወልቲ ኣኽሱም ከምዝጅመር ተገሊፁ። እቲ ፅገና፥ በዓል መዚ ቅርስታት ኢትዮጵያ ምስ ኤም ኤች ኢንጅነሪንግን ስትድዮ ክሮቺ ጣልያን ብምትሕብባር ከምዝካየድ ተሓቢሩ። ብሰንኪ ኮቪድ-19ን ዝነበረ ኲናትን ተቛሪፁ…

ኣኼባ ሞያተኛታት ኣህጉራዊ ቀጣና ነፃ ንግዲ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣኼባ ሞያተኛታት ኣህጉራዊ ቀጣና ነፃ ንግዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ። ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ዝፀንሕ እቲ ኣኼባ፥ ሰብ ሞያ ላዕለዋይ ንግዲ ኣብ ኣጀንዳታት ኢንቨስትመንት፣ ዲጂታል ንግዲ፣ ናውቲን ኣገልግሎት ንግዲን ብምትእኽካብ ንኣኼባ…

ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ካብ ጥምየት ነፃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ካብ ጥምየት ነፃ ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብቲ ኮንፈረንስ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር))፣ ኣቦ መንበር ኮመኒሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ መሃማትን ዳይሬክተር ጄነራል ዩኒዶ ገርድ ሙለርን…

ኣብ ኣሜሪካ ወግዓዊ መዓልቲ ምሃብ ድምፂ ቅድሚ ምጅማሩ ልዕሊ 78 ሚልየን ሰባት ድምፆም ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ወግዓዊ መዓልቲ ምሃብ ድምፂ ቅድሚ ምጅማሩ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ጥራይ ልዕሊ 78 ሚልየን ሰባት ድምፆም ከምዝሃቡ ተገሊፁ። ኣሜሪካውያን ሎሚ 5 ሕዳር 2024 ዓ.ም.ፈ ዝቕፅል ፕሬዚዳንቶም ንምምራፅ ድምፂ ክህቡ’ዮም። ነቝጣታት መረፃ…

ኢትዮጵያ ኣብ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኢንተርፖል ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ መበል 92 ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኢንተርፖል ትሳተፍ ኣላ። ኣብ እንግሊዝ ከተማ ግላስኮ ይካየድ ኣብ ዘሎ ጉባኤ ብኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገ/ሚካኤል ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ይሳተፍ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅ ንዝጀመረቶ ፃዕሪ ከምእትድግፍ ጀርመን ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ምግብን ሕርሻን ጀርመን ቼም ኣዝደሚር ዘቲዮም። ኣብ ዓውዲ ግብርና ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ከምኡውን ኣዋጅ ሓለዋ ደኒ ሕብረት ኣውሮፓ ዝጠመተ ዘተ ከምዝኾነ ተገሊፁ። ግርማ…

ሰሙን ኣእምሯዊ ንብረት ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰሙን ኣእምሯዊ ንብረት ይኽበር ኣሎ። ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ዝሳለጥ መድረኽ፥ ለዕሊ 13 ተወከልቲ ኢንተርፕራይዝ፣ ቢሮታት ሳይንስን ዬክኖሎጂን፣ ኤጀንሲታት ኢኖቬሽን ክሳተፉ ኢዮም ተባሂሉ። ትካላት ኣእሙራዊ ንብረት ኣብቲ ዓውዲ ዘለወን ግንዛበ…

ዋና ዳይሬክተር ዩኒዶ ገርድ ሙለር ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ዳይሬክተር ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ዩኒዶ) ገርድ ሙለር ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም። እቶም ሓላፊ በቢዓመቱ ኣብ ዝሳለጥ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ካብ ጥምየት ነፃ ንምስታፍ ኢዮም ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም። ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ…

ዶ/ር ክብሮም ገ/ስላሴ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ብምኽኒያት ዘበርከትዎ ልዑል ኣገልግሎት ተሸላሚ ንክኾኑ ተሓሪዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዶ/ር ክብሮም ገ/ስላሴ ኣብ ዓውዲ ጥዕና  ኣብ መበል 26 ዓመታዊ ጉባኤ ዓውዲ ጥዕና ሚኒስቴር ጥዕና ተሸላሚ ንክኾኑ ተሓሪዮም። እቲ ሚኒስቴር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ዶ/ር ክብሮም ገ/ስላሴ ብዝተፈላለዩ ሓላፍነታት…