Fana: At a Speed of Life!

ሓበራዊ ሓይሊ ዕማም ፀፅታን ድሕንነትን ካብ 3 ክሳብ 11 ሓምለ 2016 ዓ.ም ዝወሃብ ፈተና 12 ክፍሊ ብሰላም ንክዛዘም እኹል ምድላው ከምዝገበረ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓበራዊ ሓይሊ ዕማም ፀፅታን ድሕንነትን ካብ 3 ክሳብ 11 ሓምለ 2016 ዓ.ም ዝወሃብ ፈተና 12 ክፍሊ ብሰላም ንክዛዘም እኹል ምድላው ከምዝገበረ ገሊፁ። እቲ ሓበራዊ ሓይሊ ዕማም እቲ ፈተና ብሰላም ንክዛዘም ዓጀባ ናውቲታት ፈተና፣ ሓለዋን ተፍቲሽን…

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ወፍሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ ወፍሪ ሓምለዋይ ኣሰር  ብብርኪ ክልል ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ብዕሊ ኣጀሚሮም። ብኲናት ዝዓነወ ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ ንምሕዋይ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኩሉ ሕብረተሰብ ተሳታፋይ ክኸውንን ኣይተ…

መንግስቲ ፌዴራል ባጀት 2017 ዓ.ም ብጥንቃቐ ንክመርሕ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ፌዴራል ባጀት 2017 ዓ.ም ኣብ መዓልኡ ምውዓሉን ንረብሓ ህዝቢ ምርግጋፁን ጥቡቕ ክትትል ንክገብር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣተሓሳሲቡ። እቲ ባይቶ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ መበል 35 ስሩዕ ኣኼብኡ ስለዐን ምምሕዳርን ባጀት 2017 ዓ.ም ዝጠመተ…

ኢትዮጵያን ሶማሊያን መፍትሒታት ንምርኣይ ዝዓለሙ ዘተታት ንምቕፃል ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ሶማሊያን እወንታዊ ጉርብትናን ቀጣናዊ ምርግጋዕን ኣብ ግምት ብምእታው መፍትሒታት ንምርኣይ ዝዓለሙ ዘተታት ንምቕፃል ምስምዕምዐን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ። ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ብኣመዓራራይነት መንግስቲ ቱርኪ ዝተሳለጠ ዘተ ሚኒስትር…

ን10 መዓልታት ዝፀንሕ ወፍሪ ክታበት ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጥዕና ን10 መዓልታት ዝፀንሕ ወፍሪ ክታበት ዕላዊ ገይሩ። እቲ ወፍሪ፥ ክታበት ንዘይጀመሩን ጀሚሮም ዘቋረፁን ትሕቲ 5 ዓመት ህፃናት ከምዝወሃብ ተሓቢሩ። ልዕሊ 1 ሚሊየን ህፃናት ተረባሕቲ ከምዝገብርን ነቲ ወፍሪ ዘድልዩ እታዎታት…

ሃገራዊ ኮንፈረንስ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ኮንፈረንስ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ። እቲ ኮንፈረንስ፥ “ሚዲያታትን ንዘላቒ ሰላምና” ዘብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ ኢዩ ተባሂሉ። ሚኒስቴር ሰላም ምስ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ብምትሕበባር ኣብ ዘዳለውዎ እቲ…

ዩኒቨርሲቲ ራያ ብቐዳማይን ካልኣይን ዲግሪ ከምህሮም ዝፀነሐ ተምሃሮ የመርቕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ራያ ብዝተፈላለዩ ዓውድታት ትምህርቲ ብቐዳማይን ካልኣይን ዲግሪ ከምህሮም ዝፀነሐ ልዕሊ 300 ተምሃሮ 25 ሰነ 2016 ዓ/ም የመርቕ ኣሎ። እቲ ዩኒቨርሲቲ ንሳልሳይ ግዜ ዘመርቕ ዘሎ እንትኸውን፥ 255 ተምሃሮ ብቐዳማይ ዲግሪ 72 ድማ…

ዩኒቨርሲቲ ራያ ሎሚ መዓልቲ  ህንፃ መምሃሪ ክፍሊን መምበሪ ተምሃሮን ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ራያ ሎሚ መዓልቲ  ህንፃ መምሃሪ ክፍሊን መምበሪ ተምሃሮን ኣመሪቑ። ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ሚኒስትር ድኤታ ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣቦ መንበር ስራሕ ኣመራርሓ  ዩኒቨርስቲ ራያ ካሳሁን ጎፌ(ዶ/ር)፥ ከምኡ ውን ፕሬዚዳንት ራያ…

ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ጊዚያዊ ውፅኢታት ዝተረፉን ዳግምን ምርጫ የረጋገፅ ከምዘሎ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፣ ዓፋር፣ ሶማሌን ማእከላዊ ኢትዮጵያን ናይ ዝተገበሩ ዝተረፉን ዳግምን ምርጫ ጊዚያዊ ውፅኢታት የረጋገፅ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ክፍሊ ኦፕሬሽን እቲ ቦርድ ብሩክ ወንድወሰን፥ ኣብተን ማእከላት…

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝተረፈ 5 ነጥቢ 4 ሚሊየን ብር ንምምላስ ይስራሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 7 መጋቢት 2016 ዓ.ም ብምኽኒያት ምምሕያሽ ሲስተም ብመሰረት ዝተፈጠረ ፀገም ብዘይኣግባብ ካብ ዝተወሰደ ገንዘብ ዘይተመለሰ ዝተረፈ 5 ነጥቢ 4 ሚሊየን ብር ንምምላስ ይስራሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ኣብቲ እዋን ብዘይኣግባብ ተወሲዱ…