Fana: At a Speed of Life!

ቤት ፅሕፈት ኣገልግሎት ኢሜግሬሽንን ዜግነትን ጨንፈር መቐለ ግልጋሎት ምሃብ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፅሕፈት ኣገልግሎት ኢሜግሬሽንን ዜግነትን ጨንፈር መቐለ ግልጋሎት ምሃብ ከምዝጀመረ ተገሊፁ። እቲ ብግዝያዊነት ዝተጀመረ፥ ምሕዳስ ፓስፖርት፣ ዝጠፈአ ምትካእን ዝተበላሽወ ምእራምን ምዃኑ ኣብቲ ኣገልግሎት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣይሻ መሃመድ(ኢ/ር) ምስ ኣምባሳደር ጣሊያን ዘቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣይሻ መሃመድ(ኢ/ር) ምስ ኣምባሳደር ጣሊያን ኣብ ኢትዮጵያ ኣጎሰቲኒ ፓሌዝ ዘቲየን። እቲ ዘተ ታሪኻዊ ዝኾነ ክልቲኣዊ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ምትሕብባራት ንምስፋሕን ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ…

ቻይና ንቅልውላው ዩክሬን መፍትሒ ንምምፃእ ከምእትሰርሕ ኣረጋጊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ብምዃን ንቅልውላው ዩክሬን መፍትሒ ንምምፃእ ፃዕሪ ከምእትገብር ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ። ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን፥ ዩክሬን ኣብ 2022 ዓ.ም.ፈ ናብ ሩሲያ ካብ ዝተኻለሉ ክልላት ወተሃደራታ ምስ…

ብርካቦት ኦዲት ክምለስ ካብ ዝግበኦ ልዕሊ 443 ሚሊየን ብር ዝተመለሰ 11 ሚኢታዊ ጥራሕ ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)92 ትካላት ብመሰረት ርካቦት ኦዲት ክምልስኡ ካብ ዝግባእ ርእይቶ ዝተውሃበሉ ልዕሊ 443 ሚሊየንን 23 ሺሕን 846 ብር፣  23 ሺህ 55 ዶላር እቲ 11 ሚኢታዊ  ጥራሕ ከመዝተመለሰ ተገሊፁ። ዋና ኦዲተር ፌደራል መሠረት ዳምጤ፥ በቲ ቤት ዕዮአን…

ምውዛዕ ስኑዕ ሓበሬታ ንምግታእ ባህሪ ሚዲያ እዚ እዋን ምግንዛብ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)እናተላብዐ ዝመፅእ ዘሎ ምውዛዕ ስኑዕ ሓበሬታ ንምግታእ ባህሪ ሚዲያ እዚ እዋን ምግንዛብ ከምዝግባእ ሓላፊ ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ ገሊፆም። ብምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ዝምራሕ ጉጅለ…

ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ከተማ ባህር ዳር  ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ከተማ ባህር ዳር  ዕላዊ ከምዝኾነ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ። እቲ ፕሮጀክት 22 ኪሎ ሜትሮ ልምዓት ኮሪደር ከምዝሽፍን ተሓቢሩ። ኣብቲ መድረኽ ምጅማር ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣረጋ ከበደ ሓዊሱ…

ግደ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ግድብ ህዳሰ ዝጠመተ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ግደ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዓብዪ ገድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝጠመተ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ፥ ዋና ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ምትሕብባር ተሳትፎ ህዝቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣረጋዊ በርሀን (ዶ/ር) ሓዊሱ ሓለፍቲ ትካላት መራኸቢ…

ባንኪ ዓለም ብዝመደቦ ልዕሊ 45 ሚልየን ዶላር ኣብ ትግራይ ዝትግበር ፕሮጀክት ንምጅማር ዘኽእል ምድላው ተወጊኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዓለም ብዝመደቦ ልዕሊ 45 ሚልየን ዶላር ኣብ ፈላማይ ርብዒ ዓመት 2017 ዓ/ም ኣብ 14 ወረዳታት ክልል ትግራይ ዝትግበር ፕሮጀክት ንምጅማር ዘኽእል ምድላው ከም ዝወገነ ቤት ፅሕፈት ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ።…

ኣብ ትግራይ ብሄራዊ ፈተና ሻምናይ ክፍሊ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክውሃብ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ብብርኪ ክልል ብሄራዊ ፈተና ሻምናይ ክፍሊ ካብ ሎሚ መዓልቲ 11 ክሳብ 13 ሰነ 2016 ዓ.ም ከምዝወሃብ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኪሮስ ጉዕሽ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ሓላፊ ኣብ ዕላዊ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ…

ሪፐብሊክ ኮሪያ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ልምዓት ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ-ኣምባሳደር ጃንግ ካንግ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሪፐብሊክ ኮሪያ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ልምዓት ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ክብሉ ኣምባሳደር ሪፐብሊክ ኮሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ጃንግ ካንግ ገሊፆም። እቶም ኣምባሳደር ከልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ፅኑዕ ከልቲኣዊ ርክብ ከምዘለወን…