Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስ ዘሎ ኢ-ፍትሓዊ ኣሰራርሓ ህፁፅ መፍትሒ ዝጠልብ ኢዩ- ፕሬዚዳንት ብራዚል

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2016(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስ ዘሎ ኢ-ፍትሓዊ ኣሰራርሓ ህፁፅ መፍትሒ ዝጠልብ ኢዩ ከብሉ ፕሬዚዳንት ብራዚል ሉላ ዳ ሲልቫ ገሊፆም። እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ስነ ሰርዓት መኽፈቲ መበል 37 ስሩዕ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ከም ባንኪ…

ብሕክምና ዶክትሬት ብልዑል መዓርግ ዝተመረቑ ማናቱ ዶክተራት

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ 271 ተምሃሮ ሕክምና ኣመሪቑ። እቲ ዩንቨርስቲ ካብ መንጎ ዘመረቖም ተምሃሮ፥ ብሕክምና ዶክትሬት ዝተመረቑ ማናቱ ዶክተር ቸርነት ተስፋሁንን ዶክተር ብሩክ ተስፋሁንን ይርከቡዎም። እቶም መናቱ ዶክተራት፥ ብልዑል…

ኣፍሪካ ብዓለም ለኸ ትካላት ዝግበኣ ቦታ ነክትረክብ ሕብረት ኣፍሪካን ኣባላት ሃገራትን ጠንኪሮም ክሰርሑ ኣለዎም-ሙሳ ፋኪ መሓመት

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍሪካ ብዓለም ለኸ ትካላት ዝግበኣ ቦታ ነክትረክብ ሕብረት ኣፍሪካን ኣባላት ሃገራትን ጠንኪሮም ክሰርሑ ኣለዎም ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ መሓመት ገሊፆም። እቶም ኮሚሽነር ኣብ ስነስርዓት መኽፈቲ መበል 37 ስሩዕ ጉባኤ ሕብረት…

ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያዱ ኣብ ምኽባር ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ልዑል ግደ ኣለዎ-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያዱ ኣብ ምኽባር ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ልዑል ግደ ኣለዎ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ። ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ኣገልግሎት ሰላማዊት ካሳ፥ ቅድሚ 6 ኣዋርሕ ጀሚሩ እቲ ጉባኤ…

ኣፍሪካ ንስልጣነ ዓለም ብዘበርከተቶ ልክዕ ተረባሒት ኣይኮነትን-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍሪካ ንስልጣነ ዓለም ብዘበርከተቶ ልክዕ ተረባሒት ኣይኮነትን ከብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መኽፈቲ መበል 37 ስሩዕ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ኣፍሪካ ጥንታዊ ስልጣነን…

ፕሬዚዳንት ዛምቢያ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ዛምቢያ ሃካይንዴ ሂቺለማ ኣብ መበል 37 ሱሩዕ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም። እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ሚኒስትር ግብርና ግርማ አመንቴ (ዶ/ር) ኣቀባብላ ከምዝገበርሎም ኣብ ሚኒስቴር…

እንምነያ ኣፍሪካ ንምህናፅ ንዓውዲ ትምህርቲ ዝስላዕ ሃፍቲ ክብ ምባል ይግባእ-ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣጀንዳ 2063 እንምነያ ኣፍሪካ ንምህናፅ ንዓውዲ ትምህርቲ ዝስላዕ ሃፍቲ ክብ ምባል ይግባእ ክብላ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን። ሕብረት ኣፍሪካ 2024 ዓመተ ትምህርቲ ብዝብል ዝተሰየመ እንትኸውን፥ “ንመበል 21 ክፍለ ዘበን…

ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ  ስሪል ራማፎሳ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ስሪል ራማፎሳ ኣብ መበል 37 ስሩዕ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም። እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ሚኒስትር መስኖን ከባቢ ቆላን ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ኣቀባብላ…

ፕሬዝዳንት ዙምባቡዌ ኤመርሰን ምንጋግዋ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዝዳንት ዙምባቡዌ ኤመርሰን ምንጋግዋ ኣብ መበል 37 ስሩዕ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም። እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፍርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ(ፕ/ር) ኣቀባብላ…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ፀገም ደው መበሊ መኪና ንምፍታሕ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ፀገም ደው መበሊ መኪና ንምፍታሕ ይስራሕ ከምዘሎ በዓል መዚ ማኔጅመንት ትራፊክ ምምሕዳር እታ ከተማ ገሊፁ። ነባር ደው መበሊ መካይን ብምምሕያሽ ናብ ኣገልግሎት ናይ ምእታው ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎን ሰብ ዋና ህንፃታት ንመኪና ደው…