Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መዕርፎ ነፈርቲ ጎዴ ኡጋዝ ሚራድ መሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ክልል ሶማሌ ከተማ ጉዴ ዝተሃነፀ ሓዱሽ መዕርፎ ነፈርቲ ጎዴ ኡጋዝ ሚራድ ብምምራቕ ንኣገልግሎት ክፍቲ ገይሮም። እቲ ሓዱሽ ተርሚናል መተኣናገዲ ተጓዓዝቲን መዕርፎ ነፈርቲን ፍትሓዊ ተበፃሕነት ልምዓት…

ንገበን ግብረ ራዕዲ ክውዕል ዝነበረ 5 ሺሕን 426 ፍረ ጥይት ክላሽንኮቭ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንገበን ግብረ ራዕዲ ክውዕል ዝነበረ 5 ሺሕን 426 ፍረ ጥይት ክላሽንኮቭ ኣብ ወልዲያ ብዝተገበረ ተፍቲሽ ከምዝተትሓዘ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ካብ ግብረ ራዕዲታት ልኡኽ ብምቕባል ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኡን ተግባር ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም…

ንምርግጋፅ ዘላቒ ሰላም ፈተናታት ብሓባር ምስዓር ትፅቢት ይግበር-ኣይተ ኣረጋ ከበደ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንምርግጋፅ ዘላቒ ሰላም ፈተናታት ብሓባር ምስዓር ትፅቢት ይግበር ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣረጋ ከበደ ገሊፆም። ኣብ 20 ከተማታት ክልል ኦሮሚያ፥ “ሕብረ ብሄራዊ ሕውነት ንዘላቒ ሰላምን ኩለ መዳያዊ ምዕባለን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ…

ናይ ዳውሮ በዓል ኣልሚዕኻ ንመስሕብ ቱሪዝም ምውዓል ይግባእ-ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ዳውሮ በዓል ዘበን መለወጢ ኣልሚዕኻ ንመስሕብ ቱሪዝም ምውዓል ይግባእ ክብላ ሚኒስትር ቱሪዝም ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ ገሊፀን። ናይ ዳራሮ በዓል፥ " ክብሪ ንሓርበኛታት ሓረስቶትና ዳራሮ ንሓድነትና " ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ዲላ ተኸቢሩ።…

ቀ/ሚ ኣቢይ(ዶ/ር) ንህዝብን መንግስቲን ቻይና ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንህዝብን መንግስቲን ቻይና ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስት ኣብ መልእኽቶም፥ ሓዱሽ ዓመት ንምዕባለን ዓወትን ቻይናዊያን ንክኸውን ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም። እዋናዊ…

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሸገር ኣብ እዋናዊ ዛዕባ ጠመተ ዝገበረ ህዝባዊ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሸገር ኣብ እዋናዊ ዛዕባ ጠመተ ዝገበረ ህዝባዊ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ፥ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣወሉ ኣብዲ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ጥላሁን ከበደ፣ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል፣…

ዩንቨርስቲ መቐለ ኣብ ሃገራዉን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካን ዘድሃበ ዓለም ለከ ዋዕላ ሰላም የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩንቨርስቲ መቐለ ኣብ ሃገራዉን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካን ዘድሃበ ዓለም ለከ ዋዕላ ሰላም የሳልጥ ኣሎ፡፡ ፕሬዝዳንት ዩንቨርስቲ መቐለ ፋና ሓጎስ(ዶ/ር) ኣብ ብዘስምዖኦ መክፈቲ መደረ መልእክቲ እንኻዕ ደሓን መፃእኹም ንተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ ኣመሓላሊፈን፡፡…

“ሰላም ዋሕስ ህንፀት ሃገር ስለዝኾነ ሰላም ንምስባኽ ስለዝመፃኹም ነመስግን” -ሚኒስተር ዴኤታ ሰላም ከረዲን ተዘራ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2016 ዓ.ም(ኤፍ ቢ ሲ)ሰላም ዋሕስ ህንፀት ሃገር ስለዝኾነ ሰላም ንምስባኽ ስለዝመፃኹም ነመስግን" ክብሉ ሚኒስተር ዴኤታ ሰላም ከረዲን ተዘራ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ሚኒስቴር እዚ ዝበሉ ኣብ ሆቴል ፕላኔት እናተሳለጠ ኣብ ዘሎ ዋዕላ ሰላም እዩ። ሰላም ኣብ ዘይብሉ…

ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ 992 ሚሊየን ብር ኣታዊ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ 992 ሚሊየን ብር ኣታዊ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ። እቲ ኣታዊ ኣብ መፍረይቲ ሼዳት ካብ ዝለምዐ መሬት፣ ንመንበሪ ኣባይቲ ካብ ዘገልግሉ ኣፓርታማታትን ካብ ክራይ ህንፃን ዝተረኸበ ኢዩ ተባሂሉ።…

ኣብ ትግራይ ደገፍ ንዝጠልቡ ወገናት እኽሊን ሃነፅቲ ምግብታትን ይጎዓዓዝ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ደገፍ ንዝጠልቡ ወገናት ለዕሊ 23 ሺሕ ኩንታል እኽሊን ሃነፅቲ ምግብታትን ይጎዓዓዝ ከምዘሎ ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ኢትዮጵያ ገሊፁ። እቲ ኮሚሽን ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ድሬዳዋ ካብ ዝርከብ መኽዘን ናብቲ ክልል የጎዓዕዝ…