Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መባእታዊ ሆስፒታል ሰለኽለኻ ተቛሪፁ ዝነበረ ከቢድ መጥባሕቲ ስርሑ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ወረዳ ላዕላይ ቆራሮ ኣብ ዘሎ መባእታዊ ሆስፒታል ሰለኽለኻ ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት ተቛሪፁ ዝነበረ ከቢድ መጥባሕቲ ስርሑ ጀሚሩ። መተሓባበሪ እቲ ሆስፒታል ኣይተ ጌታቸው ሃይለ፥ ሆስፒታል ሱሑል ሽረ፣ ሪፈራል ሆስፒታል ኣክሱምን ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ…

ቱሪዝም ካብ 5 ዓንዲታት ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ሓደ ስለዝኾነ ዓውዲ ውልቀ ወሳኒ ዓውዲ ከምዝኾነ ንግንዘብ ኢና-ቀ/ሚ ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቱሪዝም ካብ ሓሙሽቲኦም ዓንዲታት ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ሓደ ስለዝኾነ ዓውዲ ውልቀ ወሳኒ ዓውዲ ከምዝኾነ ንግንዘብ ኢና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብቲ…

ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ዝመርሖ ልምዓት ምርግጋፅ ጉዳይ ህልውና ሃገር ኢዩ- በለጠ ሞላ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ዝመርሖ ልምዓት ምርግጋፅ ጉዳይ ህልውና ሃገር ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን  ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ሚኒስትር፥ ተግባር እቶም ሚኒስቴር ከምኡ ውን ትሕዝቶ፣ ፖሊሲታት፣ ኣብ ዲጂታል ኢትዮጵያ…

ኣብ ትግራይ ብልዕሊ 50 ሚሊየን ብር ዝተሃነፀ ሓፈሻዊ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ ፅምብላ ከተማ ዓዲገብሩ ብልዕሊ 50 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ዝተሃነፀ ሓፈሻዊ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ(ዶክተር) ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ። ነቲ ቤት ትምህርቲ መሪቖም ዝኸፈቱ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል…

ፖሊስ ፌዴራል ምስ ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ተመያይጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ምስ ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ተመያይጡ። እቲ ኮሚሽን ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ብምንቅስቓስ ዕዉት ስራሕ ከምዝሰርሐ ኣመራርሓ እቲ ኮሚሽን ተዛሪቦም። ብመሰረት እዚ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ግቡእ ደገፍ…

ልዕሊ 287 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ናውቲታት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 287 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ናውቲታት ኮንትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ኮሚሽን ጉምሩክ ኣፍሊጡ። እቶም ናውቲታት ካብ 26 ታሕሳስ ክሳብ 2 ጥሪ 2016 ዓ.ም ብዝተገበረ ክትትል ዝተትሓዙ ከምዝኾኑ ተገሊፁ። 140 ነጥቢ 7 ሚሊየን ብር…

ኣብ ጉዳይ ልምዓት ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝጠመተ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጉዳይ ልምዓት ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝጠመተ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፣ ምክትል ርእሰ ምምሕዳርን ካቢኔ ሰክሪተርያት ዘይተማእኸለ ምሕደራን ዴሞክራተይዘሽንን ግዝያዊ…

ዋግኡ ልዕሊ 40 ሚሊየን ብር ዝግመት ናውቲታት ሕክምና ንሓፈሻዊ ሆስፒታል ስሑል ሽረ ብሓገዝ ተበርኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋግኡ ልዕሊ 40 ሚሊየን ብር  ዝግመት ናውቲታት ሕክምና ንሓፈሻዊ ሆስፒታል ስሑል ሽረ ብሓገዝ ተበርኪቱ። እቲ ሓገዝ ብስሑል ቻሪቲ ዝተገበረ እንትኸውን፥ ተወካሊት ማሕበር ገባሪ ሰናይ ሆስፒታል ስሑል ወ/ሮ የሻምባ መኮነንን ተወከልቲ  እቲ ቻሪቲ ናብቲ…

ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኣብ ሃገራት ኣሜሪካን ካናዳን ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ዘቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራት ኣሜሪካን ካናዳን ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ዘቲዩ። ኣብቲ ብኢንተርኔት ዝተገበረ ዘተ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እተን ሃገራት ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ሃገራዊ ዘተ ክህልዎም ብዛዕባ…

ኣብ ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ቼልሲ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 21 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ቼልሲ ኣብ ሜዲኡ ኣብ ዝገበሮ ፃውቲ ተዓዊቱ። ምስ ፉልሃም ኣብ ዝተገበረ ፃውቲ፥  ፓልመር ቅድሚ ዕረፍቲ ብፍፁም ቅላዕ ብዘቑፀራ ብሕታዊት ሸቶ 1 ንባዶ ብምዕዋት ሰለስተ ነጥቢ ሒዙ ወፂኡ።…