Fana: At a Speed of Life!

ኤሚሬትስ ሕቡራት ዓረብ ንህንፀት ማእኸል ኣረጋዊያን ደገፍ ከምእትገብር ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤሚሬትስ ሕቡራት ዓረብ ንህንፀት ማእኸል ኣረጋዊያን ደገፍ ከምእትገብር ገሊፃ። ሚኒስትር ደቂ ኣኒስቲዮም ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ምስ ኣምባሳደር ኤሚሬትስ ሕቡራት ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ሙሐመድ ሳሊም ኣል ራሺዲ ዘቲየን። ኤርጎጌ…

መሸጢ ዋጋ ነዳዲ ብዝነበሮ ክቕፅል ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2016(ኤፍ ቢ ሲ)መሸጢ ዋጋ ነዳዲ ብዝነበሮ ከምዝቕፅል ሚኒስቴር ንግዲን ቀጣናዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ካብ 28 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ናይ ኩሎም ፍሪያታት ነዳዲ መሸጢ ዋጋ ብዝነበሮ ንክቕፅል ዝተወሰነ ከምዝኾነ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ። እዋናዊ…

ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ፎረም እታዎታት ፍሪያት መድሓኒትን ሕክምናን ውሽጢ ዓዲ ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2016(ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ጥዕና  ዶ/ር ሊያ ታደሰ ዝተመርሐ ጉጅለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ሰብ ሞያን ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ፎረም እታዎታት ፍሪያት መድሓኒትን ሕክምናን ውሽጢ ዓዲ ይሳተፍ ኣሎ። “ድልየት ፍሪያት ውሽጢ ዓዲን ዝተቐመጡ ስትራቴጂክ…

ኣገልግሎት ወለንታዊ መናእሰይ ብሄራዊ ምርድዳእ ይፈጥር ኣሎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣገልግሎት ወለንታዊ መናእሰይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ምርድዳእ ይፈጥር ኣሎ ክብል ሚኒስቴር ሰላም ገሊፁ። ሚኒስትር ሰላም ብናልፍ ኣንዷለም፥ መናእሰይ ካብ ከባቢኦም ወፂኦም ብሄራዊ ሓድነት ዝፈጥሩሉ ወለንተናዊ ኣገልግሎት መርሃ ግብሪ ምድላዊ ተዛሪቦም።…

ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ገሊፃ። ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ብጎንግ ዌቢን(ፕ/ር) ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ብሄራዊ ምምሕዳር ኣካዳሚ ቻይና ዘቲዮም። እቲ ዘተ ክልቲኣዊ ምትሕብባር ንምጥንኻር…

ኣብ ትግራይ ብኹለ መዳይ መርኣያ ዝነበሩ መፍረይቲ ትካላት ቀልጢፎም ናብ ስራሕ ንክኣትው ክንድግፍ ኢና፥ ሚ/ር ዲኤታ ታረቀኝ ብሉልታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገር ለኸ መድረኽ ሲምፖዜም ምንቕቓሕ መፍረይቲ ትካላት ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ኣይተ ታረቀኝ ብሉልታ፥ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ካልኦት…

ሃገራዊ ዓቕሚ ፋይናንስ ናህሪ ዕዳጋ ከረጋግዕ ብዘኽእልን ዕድል ስራሕ ብዝፈጥርን ዓውዲታት ምውዓል ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ዓቕሚ ፋይናንስ ናህሪ ዕዳጋ ከረጋግዕ ብዘኽእልን ዕድል ስራሕ ብዝፈጥርን ዓውዲታት ምውዓል ከምዝግባእ ተገሊፁ። ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝነበሮም በዓል ሞያ ኢኮኖሚ ኣቡሌ መሃሪ (ዶ/ር) ፥ ኣብ ውሽጢ ኢኮኖሚ ብዘሎ ናህሪ…

ኣብ ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያ ውፅኢት ተምሃሮ ዘመሓይሽ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያ ውፅኢት ተምሃሮ ዘበነ ትምህርቲ 2016 ዓ.ም ዘመሓይሽ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ። እቲ ዘተ ብቐንዱ ኣብ 2015 ዓ.ም ዘበነ ትምህርቲ ክልላዊ ፈተና ሻምናይ ክፍሊን ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊን ውፅኢት ምትሓቱ ስዒቡ ኣብ…

ኣብ ሱዳን ኣብ ቀጣና ኲናት ዘለዉ ዜጋታት ናይ ምውፃእ ስራሕ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያ፥ ኣብ ሱዳን ዝተፈጠረ እዋናዊ ኩነታት ስዒቡ ኣብ ቀጣና ኲናት ዘለዉ ኢትዮጵያዊያን  ናይ ምውፃእ ስራሕ ይካየድ ከምዘሎ ገሊፁ። ነዚ ናይ ምውፃእ ስራሕ ዘተሓባብር ዘሎ ብብሄራዊ ብርኪ ዝተጣየሸ ገብረ ሓይሊ 23 ጥቅምቲ 2016…

ቀዳማይ ሚኒስትር ቼክ ሪፐብሊክ ኣብ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ዑደት ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ቼክ ሪፐብሊክ ፒተር ፋሊያ ኣብ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ዑደት ኣሳሊጦም። ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ሌ/ጄ ይልማ መርዳሳ፥ ምስ ቼክ ሪፐብሊክ ትካላዊ ዝምድና ንምጥንኻር እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዘሳለጥዎ ዑደት ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ…