Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከባቢ ፓርክ እንጦጦ ተግባር ሽፍትና ዘካይዱ ዝነበሩ ውልቀ ሰባት ብእስራት ተቐፂዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከባቢ ፓርክ እንጦጦ ተግባር ሽፍትና ዘካይዱ ዝነበሩ ውልቀ ሰባት ብእስራት ከምዝተቐፅዑ ጣቢያ ፖሊስ ከባቢ ሽሮሜዳ ገሊፁ። ሓላፊ ምትሕብባር ምርመራ ገበን እቲ ጣቢያ ምክትል ኢንስፔክተር ፍቅሩ ማሞ፥ ዮናስ ዳኜን ንግዚኡ ዘይተትሓዘ መሻርኽቱን…

መዓልቲ ብሄር ብሄረሰብ፥ ስርዓት ፌዴራል ንዘላቒ ሰላም ዘለዎ ግደ ብዘጠናኽር መልክዑ ክኽበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መዓልቲ ብሄር ብሄረሰብ፥ ስርዓት ፌዴራል ንዘላቒ ሰላም ዘለዎ ግደ ብዘጠናኽር መልክዑ ክኽበር ኢዩ ክብል ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ገሊፁ። እቲ በዓል ኣስተምህሮ ሕገ መንግስቲን ሕብረ ብሄራዊ ሰርዓትን ብግቡእ ተበፃሒ ብዝገብር መገዲ ንምኽባር ስልጠና…

ኣይተ መላኩ ኣለበል ምስ ኣምባሳደር ጀርመን ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ኣይተ መላኩ ኣለበል ምስ ኣምባሳደር ጀርመን ስቴፈን ኣውራ ዘቲዮም። ኣብ ምንጥንኻር ክልቲኣዊ ርክብ ዝጠመተ ዘተ ምግባሮም ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። መንግስቲ ጀርማን ኣቭብ ዓውዲ ፋይናንስ ብፍላይ ኣብ…

ንኣሰናዳእቲ ቴኣትር ናፃ ሰዓት ኣየር ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ንኣሰናዳእቲ ቴኣትር ናፃ ሰዓት ኣየር ሂቡ። እቲ ናፃ ሰዓት ኣየር ንሓደ ዓመት ዝፀንሕ ኢዩ ተባሂሉ። ምልክታታት ቴሌቭዥንን ሬዲዮን ብናፃ ንኹሎም ኣሰናዳእቲ ቴኣትር ኢዩ ተዋሂቡ። ስነ ስርዓት ምንባር ክታም…

ርከብ ኢትዮጵያን ግሪክን ብዝበለፀ ክብ ንምባል ኣብ ዘኽእሉ ኩነታት ልዝብ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርከብ ኢትዮጵያን ግሪክን ብዝበለፀ ክብ ንምባል ኣብ ዘኽእሉ ኩነታት ልዝብ ተሳሊጡ። ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ኣምባሳደር ግሪክ ኣብ ኢትዮጵያ ኣና ፋሩ ዘቲዮም። ኣምባሳደር ምስጋኑ፥ ታሪኻዊ ርክብ…

ብዓውዲ ሆልቲካልቸር 741 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ንምርካብ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 2016 ዓ.ም ብዓውዲ ሆልቲካልቸር 741 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ንምርካብ ይስራሕ ከምዘሎ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ። ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)፥ ናይ ሆልቲካልቸር ኢንቨስትመንት ስርዓተ ምግቢ ውሕስና ካብ ምርግጋፅ…

ንዘበነ ምህርቲ 2016/17 ዝኸውን ዘበናዊ ዱኽዒ ምጉዕዓዝ ከምዝተጀመረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዘበነ ምህርቲ 2016/17 ዝኸውን ዘበናዊ ዱኽዒ ምጉዕዓዝ ከምዝተጀመረ ትካል ኣገልግሎት ትራንስፖርትን ሊጂስቲክስን ባሕሪ ገሊፁ። እቲ ዘበናዊ ድኹዒ ዝፀዓነት ፈላመይቲ መርከብ ትማሊ ምሸት ጂቡቲ ከምዝኣተወት ተሓቢሩ። ኦሞርፊ ማጁሮ ዝተብሃለት…

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ልኡኽ ኣሜሪካ ይዝትዩ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ጉጅለ ልኡኽ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ይዝትዩ ኣለዉ። እቲ ዘተ፥ ኣብ ምዕባለ ውዕል ሰላም ፕሪቶሪያ፣ ኩነታት ሰብኣዊ ሓገዝን ካልኦት ተዛመድቲ ዛዕባታትን ዝጠመተ ከምዝኾነ…

ኣፍሪካውያን በፃሕቲ ካብ መወዳእታ 2023 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ብናፃ-ቪዛ ናብ ኬኒያ ክጓዓዙ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኬንያ ኣብ መወዳእታ 2023 ዓ.ም.ፈ ንኵሎም ኣፍሪካውያን በፃሕቲ ናፃ-ቪዛ ክትከውን ምዃና ፕሬዚደንት እታ ሃገር ዊልያም ሩቶ ገሊፆም። እቶም ፕሬዚዳንት፥ ኣብ መንጐ ኣፍሪካዊያን ናይ ቪዛ ገደብ ምህላው ይጐድኣና ከምዘሎ ክንርድኣሉ ዝግባእ ግዜ'ዩ…

ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያ ኩለ መዳይ ምዕባለ ኢትዮጵያ ኣብ ምርግጋፅ ልዑል ተስፋ ዝተውሃቦ ኢዩ- ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያ ኩለ መዳይ ምዕባለ ኢትዮጵያ ኣብ ምርግጋፅ ልዑል ተስፋ ዝተውሃቦ ኢዩ ክብሉ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም። ዕላዊ ምስረታ እቲ ክልል መርሃ ግብሪ ኣብ ከተማ ሆሳኢና ሎሚ ተሳሊጡ። ኣይተ…