Fana: At a Speed of Life!

ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ናይ ክልል ፍሉይ ሓይሊ ዝበሃል ኣወዳድባ የለን- ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2015(ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ናይ ክልል ፍሉይ ሓይሊ ዝበሃል ኣወዳድባ የለን ክብሉ ላዕለዋይ ኢታማዥር ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሹም ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም። ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ኣብ ትካላት ፀፅታ ፌዴራልን ክልላትን መሊስካ ናይ ምውዳብ ስራሕ…

ዕጥቂ ምስ ዝፈትሑ ዕጡቓት ህወሓትን ሸኔን ዘተ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓ ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶን እቲ ትካል ንምውዳብ ዝተመደቡ ኣማኸርቲን ዕጥቂ ምስ ዝፈትሑ ዕጡቓት ህወሓትን ሸኔን ዘተ ገይሮም። ዕጥቆም ብምውራድ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ካምፕታት ደስኣ፣ ኣጉላዕን ዕዳጋ ሓሙስን ንዝተኣከቡ ዕጡቓት ህወሓት…

በዓል ትንሳኤ ምኽኒያት ብምግባር ሎሚ ለይቲ 9 ግዘ መድፍዕ ክትኮስ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፅባሕ ዝኽበር በዓል ትንሳኤ ምኽኒያት ብምግባር ሎሚ ለይቲ 9 ግዘ መድፍዕ ከምዝትኮስ ኣብ ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር ዋና ዳይሬክተር ህንፀት ስነ ልቦና ምግላፁ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ። ዋና ዳይሬክተር ህንፀት ስነ ልቦና ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር…

ኣቦታት ሃይማኖት ንበዓል ትንሳኤ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣቦታት ሃይማኖት ንበዓል ትንሳኤ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። እቶም ኣቦታት፥ ብትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተረኸበ ሰላም ምእመናን ሰዓብቲ እምነት ክርስትና እወንታዊ ተግባር በምፍፃም ክትግብርዎ ይግባእ ኢሎም። ትንሳኤ ኢየሱስ…

ፎረም ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያውያንን ዳያስፖራን ሰብ ሃፍቲ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፎረም ኢንቨስትመንት ነባርነቶም ኣብ ኣሜሪካ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያንን ዳያስፖራን ሰብ ሃፍቲ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ተሳሊጡ። ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ፥ ኢትዮጵያ ዘለዋ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ንክትጥቀም ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዘሎ…

ባንኪ ዓለም ብደገፍ ባጀትን ልቓሕን ንኢትዮጵያ ሓገዝ ከምዝገብር ኣረጋጊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም ዴቪድ ማልፓስ ዘቲዮም። እቲ ዘተ ኣብ ጉዳያት ማክሪ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ጠመተ ዝገበረ ከምዝነበረ ተሓቢሩ። እቶም ፕሬዚዳንት ስምምዕነት  ሰላም ፕሪቶሪያው ኣብ ምትግባር  መንግስቲ ኢትዮጵያ…

ቀዳመይይ ሚኒስትር ኣቢይ ንቀዳመይቲ ሚኒስትር ጣሊያን እንግዶት ድራር ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳመይይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ንቀዳመይቲ ሚኒስትር ጣሊያን ጆርጂያ ሜሎኒ እንግዶት ድራር ገይሮም። ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣብ ዝተገበረ እንግዶት ድራር እቶም መራሕቲ ክልቲኣዊ ዘተ ምግባሮም ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ…

ምትሕብባር ከባቢ ዶብ ክብ ምባል ዞባዊ ምቅርራብ ዕላዊ ኣብ ምግባር ይሕግዝ-ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምትሕብባር ከባቢ ዶብ ክብ ምባል ዞባዊ ምቅርራብ ዕላዊ ኣብ ምግባር ይሕግዝ ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ገንዘብ ፌዴሪኢ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም። ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ኣኼባ እዋን ፅድያ ባንኪ ዓለምን ዓለም ለኸ ትካል…

ኣሜሪካ ምስጢራዊ ሰነዳት ወተሃደራዊ ድሕነት ብምልሓኽ ንዝተጠርጠረ ወዲ 21 ዓመት መንእሰይ ኣብ ቀይዲ ኣውዒላቶ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ምስጢራዊ ሰነዳት ወተሃደራዊ ድሕነት ብምልሓኽ ንዝተጠርጠረ ወዲ 21 ዓመት ኣባል ሃገራዊ ሓለዋ ኣየር እታ ሃገር ኣብ ቀይዲ ኣውዒላቶ። እቲ ጃክ ተሸይራ ዝተብሃለ መንእሰይ፥ ነቶም ሰነዳት ኣብ ናይ ኢንተርነት ጌም መፃወቲ ቻትሩም ከምዝዘርገሖም…

ኣጥቃዓይ ባየር ሙኒክ ሳድዮ ማኔ ካብ ፀወታ ተኣጊዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባየር ሙኒክ ኣብ መፋርቕ እዚ ሰሙን ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ብማንቸስተር ሲቲ ኣብ ዝተሳዕረትሉ ፀወታ ሳድዮ ማኔ ምስ ሌሮይ ሳን ብዘርኣዮ ምትህልላኽ ካብ ፀወታ ከም ዝኣገደቶ ኣፍሊጣ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ናብ ባየርን ዝተፀንበረ ኮኾብ ሊቨርፑል…