Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብዓወት ምዝዛሙ ጥምር ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳለጠ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን መበል 46 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኣፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካን ብዓወት ምዝዛሙ ጥምር ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ። እቲ ጥምር ሓይሊ፥ ሰላመን ድሕንነትን ከተማ ኣዲስ…

ኣብ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተሳተፉ መራሕቲ ነናብ ሃገሮም ይምለሱ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተሳተፉ መራሕቲ ነናብ ሃገሮም ይምለሱ ኣለዉ። ብመሰረት እዚ ምክትል ፕሬዚዳንት ጋምቢያ ሙሃመድ ቢ.ኤስ ጃሎ፣ ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣኪንውሚ አዴሲና (ዶ/ር)፣ ፕሬዚዳንት ሴራሊዮን ጁሊዬስ…

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዩናይትድ ኪንግደም ኣዲስ ኣበባ ኣቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዩናይትድ ኪንግደም ኣንጄላ ሬይነር ኣዲስ ኣበባ ኣቲየን። እተን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሓ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣቀባብላ ገይረሙለን። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር…

ቀ/ሚ ኣቢይ(ዶ/ር) ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ብዓወት ንክዛዘም ዝከኣሎም ንዝገበሩ ኩሎም አመስጊኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ተዛዚሙ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ብዓወት ንክዛዘም ዝከኣሎም ንዝገበሩ ኩሎም አመስጊኖም። እቶም ቀዳማይ  ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ…

ትካላዊ ሪፎርም ሕብረት ኣፍሪካ መሰረታዊ ለውጢ ብዘመፅእ መገዲ ይካየድ ኣሎ – ሙሳ ፋቂ ማሃማት

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ትካላዊ ሪፎርም ሕብረት ኣፍሪካ መሰረታዊ ለውጢ ብዘመፅእ መገዲ ይካየድ ከምዘሎ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ ማሃማት ገሊፆም። መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ “መከሓሓሲ ፍትሒ ንኣፍሪካዊያን ወለዶ ኣፍሪካዊያንን” ብዝብል…

ኣፍሪካ ሰላምን ፀፅታን ዝነገሰላ ንክትከውን ጎንፅታት ደው ንክብሉ ክሰርሕ ኢየ-ፕሬዚዳንት ዧው ማኑኤል ጎሳዌስ ሎሬንሶ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣፍሪካ ሰላምን ፀፅታን ዝነገሰላ ንክትከውን ጎንፅታት ደው ንክብሉ ክሰርሕ ኢየ ክብሉ ሓዱሽ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ብምኻነ ዝተመረፁ ፕሬዚዳንት ዧው ማኑኤል ጎሳዌስ ሎሬንሶ ገሊፆም። እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ በፍላይ ኣብ ዓውዲ…

ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ፥ ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ቀዋሚ መቐመጢ ክሳብ እትረክብ ፃዕሪ ምግባሮም ከምዝቕፅሉ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ፥ ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ እቲ ሕብረት ቀዋሚ መቐመጢ ክሳብ እትረክብ ፃዕሪ ምግባሮም ከምዝቕፅሉ ገሊፆም። ይካየድ ኣብ ዘሎ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ መደረ ዘስምዑ እቶም ዋና ፀሓፊ፥…

ፍልስፍና ምድማር ፓን ኣፍሪካኒዝም ንምጥንኻር ዝሕግዝ ኢዩ-ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፍልስፍና ምድማር ብዙህነትን ሕብረትን ንምጥንኻር ቁልፊ ግደ ምህላዉ ከምዘለዎ ኮይኑ ፓን ኣፍሪካኒዝም ንምጥንኻር ዝሕግዝ ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ “መከሓሓሲ ፍትሒ…

ቀ/ሚ ኣቢይ ምስ ኢንቨስተራት ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ኢንቨስተር ኣሊኮ ዳንጎቴን ቶኒ ኦ. ኢሉሜሉን ዘቲዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ጎድኒ ንጎድኒ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ምስ መራሕቲ ውልቀ ሰባት…

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ፕሬዚዳንት ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ፕሬዚዳንት ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ፋይሌመን ያንግን ዘቲዮም። ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ምስ ኣመራርሓ ሕቡራት መንግስታት ፅቡቕ ዘተ ምክያዶም ገሊፆም። መስ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት…