Fana: At a Speed of Life!

ኣብ 3 ሺሕ ሜትሮ ውድድር ውሽጢ ገዛ ኣትሌት ፍሬወይኒ ሃይሉ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ቼክ ሪፐብሊክ ከተማ ኦስታርቫ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 3 ሺሕ ሜትሮ ውሽጢ ገዛ ኣትሌት ፍሬወይኒ ሃይሉ ተዓዊታ፡፡ ኣትሌት ፍሬወይኒ ነቲ ርሕቐት ብ8 ደቒቕ 24 ሰከንድን 17 ማይክሮ ሰከንድን ብምዝዛም ኢያ ተዓዊታ፡፡ ወናኒት ከብረ ወሰን…

ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሸኔ ዝተዋደደ ኦፕሬሽን ምክያድ ጀሚረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ትካላት ፀፅታን ድሕንነትን ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ከባቢ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ሸኔ ዝተዋደደ ኦፕሬሽን ምክያድ ከምዝጀመሩ ብሄራዊ ኣገልግት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። እቲ ኣገልግሎት ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ…

ኢትዮጵያ ኣባል ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ማእኸል መፅናዕቲ ቴክኖሎጂ ኣፍሪካ ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣባል ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ማእኸል መፅናዕቲ ቴክኖሎጂ ኣፍሪካ ኮይና፡፡ መበል 34 ጉባኤ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ማእኸል መፅናዕቲ ቴክኖሎጂ ኣፍሪካ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ተኻይዱ፡፡ እቲ ጉባኤ ኣብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን መሪሕ ፈፃሚ…

ኔታኒያሁን ትራምፕን ኣብ ጉዳይ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ እስራኤል-ጋዛ ጠሚቶም ክዛተዩ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት እስራኤል ቤኒያሚን ኔታኒያሁ ምስ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ጋዛን ጉዳይ ኢራንን ጠሚቶም ክዛተዩ ኢዮም ተባሂሉ፡፡ እቶም መራሕቲ ሎሚ መዓልቲ ክራኸቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡ ትራምፕ…

ብሓደጋ ምግህማስ መሬት ህይወት 8 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዞባ ጉጂ ወረዳ ሳባ ቦሩ ብባላዊ መገዲ መዓድን ኣብ ምውፃእ ዝነበሩ 8 ሰባት ብሓደጋ ምግመህማስ መሬት ህይቶም ሓሊፉ፡፡ እቲ ሓደጋ ትማሊ ሰዓት 9 ብባህላዊ መገዲ መዓድን ኣብ ምውፃእ ስራሕ ዝተዋፈሩ ዜጋታት ዘጋጠመ ከምዝኾነ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት…

ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ኣሰራርሑኡ ከመሓይሽ ከምዝግባእ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ኣሰራርሑኡ ከመሓይሽ ከምዝግባእ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ቁፅፅርን ምሕደራን ወፃኢ መንግስቲ ኣመልኪቱ፡፡ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ÷ ኣብ ስርዓት ዓውዲ ማኑፋክቸሪንግ ኣወሃህባን ኣጠቓቕማን ልቓሕ ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ጠሚቱ ምስ ኦዲተራት…

ኢትዮጵያን ቼክ ሪፐብሊክን ኣብ ዓውዲ ማይን ኢነርጂን ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ክሰርሓ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ቼክ ሪፐብሊክን ኣብ ዓውዲታት ኢኮኖሚ፣ ኢንዱስትሪ፣ ንግዲን ኢንቨስትመንትን፣ ከምኡ እውን ኣብ ዓውዲ ማይን ኢነርጂን ዘለወን ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ክሰርሓ ከምዝግባእ ተገሊፁ። ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ…

ለበዋ ንህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ ንልሂቃን ትግራይ !

ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣምታት ከምዝገለፅክዎ÷ መሬትን ህዘቢን ትግራይ መበቆል ስልጣነ፣ ዋልታን መኸታን ሃገረ- ኢትዮጵያ እዮም። መሬት ትግራይ መንግስታዊ ምሕደራ፣ ስርዓተ መንግስትን ክብርታት ሃገርን ዝበቖለሉን ዝተዓቀበሉን እውን ኢዩ። ግደ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምፍጣርን ምዕቃብን ኢትዮጵያ ረዚን ምኳኑ…

ኣብቲ ጉባኤ ዝተቐመጡ ኣንፈታት ንምፍፃም ብቖራፅነት ምስራሕ ይግባእ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ዝተቐመጡ ኣንፈታት ብዕዉትነት ብምፍፃም ኩለመዳያዊ ጉዕዞ ምዕባ ሃገርና ንምቅልጣፍ ኩልና ብቖራፅነት ክንሰርሕ ይግባእ ክብሉ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣደም ፋራህ ኣተሓሳሲቦም። ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ…

ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ መዓድን ኣፍሪካ ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሚኒስትር መዓድን ሃብታሙ ተገኝ (ኢ/ር) ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኬፕታውን ኣብ ዝተሰናደአ ጉባኤ መዓድን ኣፍሪካ 2025 እናተሳተፈ ይርከብ፡፡ ዕላማ እቲ ጉባኤ ኣህጉራዊ ኢንቨስትመንት መዓድን ንምስሓብ ከምዝኾነ ተገሊፁ።…