Fana: At a Speed of Life!

ካብ 10 መጋቢት ጀሚሩ ፓስፖርት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ምሃብ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ 10 መጋቢት 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ሓዱሽ ፓስፖርት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ምሃብ ከምዝጅምር ኤጀንሲ ኢሚግሬሽን ዜግነትን ወሳኒ ኹነትን ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ። ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ሙጂብ ጀማል ከምዝገለፁዎ፥ ቅድሚ ሕዚ ሓዱሽ ፓስፖርት…

ቤት ምኽሪ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዝተፈላለዩ ሹመታት ኣፅቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ዘሳለጦ ህፁፅ ጉባኤ ዝተፈላለዩ ሹመታት ኣፅቑ። እቲ ቤት ምኽሪ፥ 5ይ ዓመት 5ይ ዘበን ስራሕ 5ይ ህፁፅ ጉባኤኡ ሎሚ መዓልቲ ምክያዱ ካብ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዝረኸብናዮ…

ስዑድ ዓረብ ሃገራት ኣውሮፓ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 50 ሃገራት ማዕቐብ ጉዕዞ ኣንቢራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ስዑድ ዓረብ ምስ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ተተሓሒዙ ናይ ሃገራት ኣውሮፓ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 50 ዝኾና ሃገራት ማዕቐብ ጉዕዞ ኣንቢራ። እቲ ማዕቐብ ጉዕዞ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብታ ሃገር ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሪ እናወሰኸ ምምፅኡ ስዒቡ ዝመፅአ…

ተዓዋቲ ኦስካር ቶም ሃንክስ ምስ በዓልቲ ቤቱ ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ተዓዋቲ ኦስካር ተዋሳኢ ቶም ሃንክስን በዓልቲ ቤቱ ሪታ ዊልሰንን ኣብ ኣውስትራሊያ ተመርሚሮም ቫይረስ ኮሮና ከም ዝተረኸቦም ተዛሪቦም። ሃንክስ ኣብ ኢንስታግራም ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ "ከም'ዚ ሰዓል ዝሓዞ ሰብ ድኻም ይስመዐና ነይሩ፤ ገለ ቑርጥማት…

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣይተ ፀጋ ኣራጌ ኮሚሽነር ኮሚሽን ስነ ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ንክኾኑ ሽመቶም ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ሓምሻይ ዘመን መበል 14 ስሩዕ ኣኼብኡ ሹመት ዝተፈላለዩ ሽመታት ኣፅዲቑ። ብመሰረት እዚ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ውዕልኡ ሹመት ሚኒስትራት፣ ኮሚሽነር ኮሚሽን ስነ ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን…

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ዝተፈላለዩ ሹመት ሚኒስትራት ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ሓምሻይ ዘመን መበል 14 ስሩዕ ኣኼብኡ ሹመት ዝተፈላለዩ ሚኒስትራት መርሚሩ ኣፅዲቑ። እቲ ባይቶ ኣብ ዘካይዶ ስሩዕ ኣኼባ፥ ዶክተር ሊያ ታደሰ ሚኒስትር ጥዕና፣ ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤ ላዕለዋይ ዓቃቤ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ሕፁያት ሚኒስትራት ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ሕፁያት ሚኒስትራት ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣቕሪቦም። ብመሰረት እዚ፥ 1 ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ- ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራል 2 ዶክተር ሊያ ታደሰ- ሚኒስትር ጥዕና 3 ኣይተ ላቀ…

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምክያድ ናብ ናይሮቢ ኣምሪሐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምክያድ ሎሚ መዓልቲ ናብ ኬኒያ፣ ናይሮቢ ኣምሪሐን። እተን ፕሬዚዳንት ንሓደ መዓልቲ ዝፀንሕ ዑደት ስራሕ ኢየን ከካይዳ ተባሂሉ። ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ጆሞ ኬንያታ…

ቫይረስ ኮሮና ዓለም ለኻዊ ለበዳ ተባሂሉ ብውድብ ጥዕና ዓለም ተኣዊጁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕማም ቫይረስ ኮሮና (ኮቪድ-19) ዓለም ለኻዊ ለበዳ ኢዩ ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም ትማሊ ኣዊጁ። ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፥ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ካብ ቻይና ወፃእ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ብ13 ዕፅፊ ክብ ምባሉ…

ሚኒስቴር እቶት ኣብ ወርሒ ለካቲት ብር 19 ነጥቢ 4 ቢሊየን ኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር እቶት ኣብ ወርሒ ለካቲት 2012 ዓ.ም ብር 19 ነጥቢ 4 ቢሊየን ምእካቡ ኣፍሊጡ። እቲ እቶት ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ኣብ ግምት ብዘእተወ መልክዑ ዝተኣከበ ምዃኑ እውን ገሊፁ። እቲ ሚኒስቴር፥ ኣብ ወርሒ ለካቲት ብር 20 ነጥቢ 4…