Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኾነ ይኹን ሕፅረት ነዳዲ ከምዘየለን ወሰኽ ዋጋ ከምዘይተገበረን ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኾነ ይኹን ሕፅረት ነዳዲ ከምዘየለን ወሰኽ ዋጋ ከምዘይተገበረን ቢሮ ንግዲ እታ ከተማ ተገሊፁ። ኣመራርሓታትን ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈት ክፍለ ከተማማታትን ቢሮ ንግዲ ምምሕዳር ከተመማ ኣዲስ ኣበባ ኣብዚ ሰሙን…

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ናይ ፅባሕ ኣኼብኡ ሹመት ሚኒስትራት መርሚሩ ከፅድቕ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣብ ናይ ፅባሕ ሓምሻይ ዘመን መበል 14 ስሩዕ ኣኼብኡ ሹመት ሚኒስትራት መርሚሩ ከፅድቕ ኢዩ። እቲ ባይቶ ኣብ ዘካይዶ ስሩዕ ኣኼባ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምዝታይ ውሳነ ከመሓላልፍ ኢዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።…

ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ሰነድ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ዘድሃበ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ሰነድ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዘድሃበ ዘተ ኣብ ከተማ ኣዳማ ይሳለጥ ኣሎ። እቲ መድረኽ ዘተ ብሚኒስትር ትምህርቲ ዶክተር ኢንጂነር ጌታሁን መኩሪያ ዝተኸፈተ እንትኸውን፥ በቲ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ምስ ተሳተፍቲን መዳርግቲ…

ብቕዓት ዘይብሎም ገናሕቲ ፍቓድ መግንሒ ከይረኽቡ ዝገብር ኣሰራርሓ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክትግበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምኽናያት ስእነት ዓቕሚ ዝፍጠር ሓደጋ ትራፊክ ክንኪ ኢዩ ዝተብሃለሉ ስርዓት መቆፃፀሪ ብቕዓት ገናሕቲ ክዝርጋሕ ኢዩ ተባሂሉ። እቲ ዝዝርጋሕ ስርዓት፥ ዝኾነ ይኹን ዓቕሚ ምግናሕ መኪና ዘይብሉ ውልቀ ሰብ ፍቓድ መግንሒ(መንጃ ፍቓድ)…

ሚኒስትር ጥዕና ብሪታኒያ ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፈን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ብሪታኒያ ናዲን ዶሪስ ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተለኸፋ ተረጋጊፁ። እተን ሚኒስትር ብዝተገበረለን ሕክምናዊ ምርመራ በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዛ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንብሕተን ኣብ መንበሪ ቤተን ንክዕቆባ ከምዝተገበረ…

ማንቼስተር ሲቲ ምስ ኣርሰናል ከካይደኦ ዝነበራ ፀወታ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ተናዊሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሎሚ ምሸት ማንቼስተር ሲቲ ምስ ኣርሰናል ከካይደኦ ዝነበራ ፀወታ ፕሜር ሊግ እንግሊዝ ብምኽንያት ስግኣት ቫይረስ ኮሮና ንኻሊእ ግዘ ተናዊሑ። እቲ ፀወታ ንኻሊእ እዋን ክናዋሕ ዝኸኣለሉ ቀንዲ መበገሲ ምኽንያት፥ ወናኒ ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ኦሎምፒያኮስን…

ካቢኔ ክልል ደቡብ ኣብ ክልተ ኣጀንዳታት ተዛትዩ ውሳነ ኣመሓላሊፉ

አዲስ አበባ ፣ መጋቢት 2 ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ካቢኔ ክልል ደቡብ ትማሊ ኣብ ዘሳለጦ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ክልተ ኣጀንዳታት ተዛትዩ ውሳነ ኣመሓላሊፉ። እቲ ካቢኔ ኣብ ስሩዕ ኣኼቡኡ፥ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ኢንቨስትመንት ብምምርማር ንኽፀድቁ ውሳነ ኣመሓላሊፉ። ብመሰረት እዚ ኣብ 47…

ብዓለም ለኸ ጉጅለ ኣዘዋዋሪ መሳርሒታት ኲናት ናብ ኢትዮጵያ ብሕቡእ ክኣቱ ዝተገበረ ልዑል ቁፅሪ ዘለዎ ማሳርሒታት ኲናት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብዓለም ለኻዊ ጉጅለ ኣዘዋዋሪ መሳርሒታት ኲናት ብወደብ ጅቡቲ ኣቢሉ ናብ ኢትዮጵያ ብሕቡእ ክኣቱ ዝተገበረ ክልተ ኮንተይነር ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኲናት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከክውዕል ምግባሩ ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ…

ኣብ ልዕሊ ፅልኢት ዘረባ ዝፍንዉ ኣካላት ግቡእ ስጉምቲ ክውሰድ ይግባእ – ፓርቲታት ፖለቲካ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ሓድነት ኢትዮጵያውያን ክሽርሽሩ ዝኽእሉ ናይ ፅልኢት ዘረባታት ኣብ ልዕሊ ዝፍንዉ ኣካላት ግቡእ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝግባእ ኣመራርሓታት ፓርቲታት ፖለቲካ ኣተሓሳሲቦም። ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት፥ ኣብ ክሊ ናፅልኢት ዘረባ ዝፍንዉ ኣካላትን…

ኣብ ግብፂ ብተግባር ግብረ ራዕዲ ዝተኸሰሱ 112 ሰባት ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ተበይኑሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ግብፂ ኣብ ተግባር ግብረ ራዕዲ ተሳቲፎም ዝተብሃሉ 112 ሰባት ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ተበይኑሎም። እቶም ውልቀ ሰባት ኣብ ወታደራዊ ቤት ፍርዲ ግብፂ ኢዮም ብገበን ተግባር ግብረ ራዕዲ ትፍኣተኛታት ዝተብሃሉ። እቶም ተኸሰስቲ ኣብ ጣቢያታት…