Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ ምስ ኣመራርሓታት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኣመራርሓታት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተዛትዮም። ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ኩነታት ሃገር ዘድሃበ ዘተ ከምዝኾነ ተገሊፁ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል እናተሰርሑ ዝርከቡ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ኣብደላ ሃምዶክ ካብ ፈተነ መቕተልቲ ተሪፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ኣብደላ ሃምዶክ ካብ ዝተገበረሎም ፈተነ መቕተልቲ ምትራፎም ተገሊፁ። ኣብ ከተማ ካርቱም ነቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዝዓጀባ ተሸከርከርቲ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀመ ቴሌቪዥን ጣቢያ መንግስቲ እታ ሃገር ፀብፂቡ። እቲ ቴሌቪዥን…

ተጋሩ ነበርቲ ዓፋር ወረዳ ኢሬብቲ ማልት ንእተሳልጦም ስራሕቲ ልምዓት ዝኸውን ሓገዝ ገንዘብ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ወረዳ ኢሬብቲ ዝነብሩ ተጋሩ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንእተሳልጦም ስራሕቲ ልምዓት ዝኸውን ሓገዝ ገንዘብ ገይሮም። እቶም 16 ሺሕን 909 ብር ዘወፈዩ መዓልታዊ ሰራሕተኛታት፣ ነጋዶ፣ ሰራሕተኛታት ኣብያተ ፅሕፈት…

ኣብ ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዘኽእሉ ስራሕቲ ይስርሑ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዘኽእል ስራሕቲ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ። ብሄራዊ ኮሚቴ ምቁፅፃርን ምክልኻልን ቫይረስ ኮሮና ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸብሉ ሎሚ መዓልቲ ስራሕቱ ገምጊሙ። እቲ ቫይረስ ናብ ኢትዮጵያ…

ኣብ ግብፂ ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፉ ክትትል ሕክምና ክግበረሉ ዝፀንሐ ውልቀ ሰብ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ግብፂ ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፉ ክትትል ሕክምና ክግበረሉ ዝፀንሐ ጀርመናዊ በፃሒ ዓዲ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ተገሊፁ። ስለዝኾነ ኣብ ኣፍሪካ ብሰንኪ እቲ ሕማም ዘጋጠመ ፈላማይ ሞት ኮይኑ ተመዝጊቡ'ሎ። እቲ ወዲ 60 ዓመት ጀርመናዊ፥ ቅድሚ ሓደ…

ኣብ ካልኣይ ዙር ፈላማይ ፀወታ ፕሚየርሊ ኢትዮጵያ መቐለ 70 እንደርታ እንትዕወት ወልዋሎ ነጥቢ ተማቒላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 16 ሰሙን ፀወታታት ፕሪሚየርሊግ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታታት ቀፂሎም ውዒሎም። ካብ ሜዳኣ ወፃኢ ምስ ሃዲያ ሆሳእና ዝተራኸበት ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ብብሕታዊት ሽቶ ኦኪኪ ኣፎላቢ 1 ን 0 ተዓዊታ። በዚ…

ህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ መሰሉ ንምርግጋፅ ኣብ ዘካየዶ ቃልሲ እጃም ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝዓዘዘ ነይሩ – ዶ/ር ደብረፂዮን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክትር ደብረፂዮን ገብሚካኤል ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ (ማርች 8) ብዝምልከት ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣብ መልእኽቶም፥ ህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊን…

ማዕረ ተጠቃምነትን ፍትሓውነትን ህዝቢ ትግራይ ንኽረጋገፅ ከምእንቃለስ ወሲና-ፎረም ውድባትን ማሕበራትን ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)"ምርግጋፅ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ" ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ዝካየድ ዝነበረ መስራቲ ጉባኤ ፎረም ውድባትን ማሕበራትን ትግራይ ተዛዚሙ። እቲ ኣብ ትግራይ ንፈለማ እዋን ዝተሳለጠ መስራቲ ጉባኤ 23 ማሕበራትን ሰለስተ…

ኣብ ነቀምቴ ኣብ ውሽጢ ገዛ ብዝተፈጠረ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ክልተ ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከተማ ነቀምቴ ብዝተፈጠረ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ህይወት ክልተ ሰባት እንትሓልፍ ካልኦት ክልተ ሰባት ከቢድ ጉድኣት ቃፀሎ በፂሑዎም። ምክትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ክፍሊ ምርመራ ገበን ኢንስፔክተር ማርቆስ ዋጋሪ ንፋና…

ኣዴታትናን ኣሓትናን ደጀን ብምዃን ዘይደገፈኦ ዝኾነ ይኹን ኢትዮጵያዊ ዓወት የለን – ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ፅባሕ 29 ለካቲት 2012 ዓ.ም ዝኽበር በዓል ደቂ ኣንስትዮ ኣመልኪቶም ናይ እንኳን ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቢክ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ…