Fana: At a Speed of Life!

ዓበይቲ ተግባራትቀፃሊ ሓደ ዓመት ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 11 ለካቲት 2017 ዓ.ም ኣብዝፀዉዖ ህፁፅ ኣኬባ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ኣፈፃፅማ ስራሕ ሰለስተ ዓመታት ብምስማዕን ዘይተወገኑ ትግባራት ኣብ ግምት ብምእታውን ዘበን ስራሕ እቲ ኮሚሽን ንሓደ ዓመት ምንውሑ ይዝከር፡፡…

ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ጠሚቶም ምስ መናእሰይ ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት እቲ ክልል ኣድሂቦም ምስ መናእሰይ ከተማ መቐለ ተዛትዮም፡፡ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ካብ ኩለን ክፍለ ከተማታት መቐለ ዝተዉፃእፅኡ መናእሰይ ተሳቲፎም፡፡

ሓዱሽ ማሕበረሰብ ኢንዱስትሪ ይፍጠር ኣሎ – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢንጂነሪንግ ኢንዱስትሪ ምክልኻል ኣብ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ማሕበረሰብ ኢንዱስትሪ እናጠፈጠረ ምዃኑ ዘመላኽት ኢዩ ክብሉ ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም፡፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ላዕለዎት…

ዳግመ ሕውየት ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ንምርግጋፅ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ሕብረት ኣውሮፓ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ኣብያተ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ንምርግጋፅ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣምባሳደር እቲ ሕብረት ኣብ ኢትዮጵያ ሶፌ ፍሮም ገሊፀን። ሕብረት ኣውሮፓ ብዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ኣቢሉ ኣብ ዓውዲ…

ልዕሊ 60 ሚሊዮን ብር ዋጋ ዘለዎም ናውቲ ሕክምና ንቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ተበርኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኦርፋንስ ኢን ኒድ ዩ ኤስ ኤ ልዕሊ 60 ሚሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም ናውቲ ሕክምና ንቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣበርኪቱ። እቲ ሓገዝ ብምትሕብባር ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ዝተረኸበ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።…

ኣብ ልዕሊ ኣሽከርከርቲን ተሽከርከርቲን ፀገም ድሕንነት ትራፊክ ከምዝስትውዓል ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣሽከርከርቲን ተሽከርከርቲን ብዝተገበረ ቁፅፅር ትራፊክ ፀገም ድሕንነት ትራፊክ ከምዝስተውዓል ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣፍሊጡ፡፡ ሚኒስትር ዲኤታ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን በርኦ ሃሰን ከምዝገለፁዎ÷ ኣብ ዝሓፉ 9 መዓልቲታት ኣብ…

ኢትዮጵያን ዴንማርክን ምትሕብባረን ንምጥንኻር ተስዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ምስ ልኡኽ ቤት ምኽሪ ኮሚቴ ጉዳያት ፖሊሲ ወፃኢ ዴንማርክ ተዛቲዮም፡፡ ኣብ ዘተኦም ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ክሌማዊ ለውጢ እናወገነቶም ትርከብ ኢኒሼትቫትን ዝተረኸቡ ዓወታትን ትኹረት ገይሮም፡፡…

ኤግዚቢሽን ነጋዶ ደቂ ኣንስትዮ ምብራቕን ደቡብ ኣፍሪካን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)6ይ ኤግዚቢሽንን ኮንፈረንስን ንግዲ ፌዴሬሽን ነጋዶ ደቂ ኣንስትዮ ሓበራዊ ዕዳጋ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ (ኮሜሳ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ተገሊፁ፡፡ ሚኒስትር ዴኤታ ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ያስሚን ወሃብረቢ÷ ብዛዕባ እቲ ኤግዚቢሽንን…

ዩክሬን ናብ ድርድር ሰላም ንምምፃእ ድልውቲ ምዃና ምርግጋፆም ፕሬዚዳንት ትራምፕ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ስምምዕነት ሰላም ሩሲያ ዩክሬን ኣብ ሸቶኡ ንምብፃሕ ናብ ድርድር ጠረጴዛ ንምምፃእ ዩክሬን ድልውቲ ምዃና ዝገልፅ ደብዳበ ካብ ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ከምዝበፅሖም ገሊፆም። ፕሬዚዳንት ትራምፕ ኣብ…

ኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ንስሑል ሽረ ስዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 21 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ንስሑል ሽረ 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ክትዕወት ክኢላ፡፡ ሎሚ ረፋድ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ንኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ብሕታዊት ሸቶ ዘላለም ኣበበ ኣብ መበል 82 ደቒቕ…