Fana: At a Speed of Life!

ኮርፖሬሽን መንበሪ ኣባይቲ ፌዴራል 50 ሚኢታዊ ገዛ ኽራይ ነክዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮርፖሬሽን መንበሪ ኣባይቲ ፌዴራል ካብ ወርሒ ሚያዚያ ጀሚሩ 50 ሚኢታዊ ምንካይ ገዛ ኽራይ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ። መካየዲ ስራሕ እቲ ኮርፖሬሽን ኣይተ ረሻድ ከማል ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ምስ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ተተሓሒዙ እቲ…

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳልጦ መበል ካልኣይ ፍሉይ ኣኼብኡ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ለበዳ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል፣ ንምቁፅፃርን ዘስዕቦ ጉድኣት ንምቕናስን ዓሊሞም ዘውፅእዎ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ብሓደ ድምፀ ተኣቅቦ ብኣብዝሓ…

ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግና ንግድብ ህዳሰን ንመከላኸሊ ኮቪድ-19ን ሓገዝ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግና ንግድብ ህዳሰን ንመከላኸሊ ኮቪድ-19ን ዝኸውን ሓገዝ ገይሮም። ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝፀሓፉዎ፥ “ናይ በሓቂ ሕድሕድ ተግባር ተመጣጣኒ መልሲ የስዕብ ኢዩ፣…

ቀ/ሚ ዶ/ር ኣቢይ ምስ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሌተናንት ጀነራል ኣብደል ፈታህ ኣብደልራህማን ቡርሃን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሌተናንት ጀነራል ኣብደል ፈታህ ኣብደልራህማን ቡርሃን ብቴሌፎን ተዛቲዮም። እቶም መራሕቲ፥ ኮቪድ 19 ዘስዕቦ ምንጋዕ ንምክልኻል ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዘኽእል…

ኣብ ትግራይ ንምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ዝውዕል ልዕሊ ብር 4 ነጥቢ 1 ሚልየን ተበርኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ተላባዲ ሕማም ቫይረስኮሮና ንምክልኻል መንግስቲ ትግራይ ብመሰረት ዘቕረቦ ፃውዒት ሓገዝ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ልዕሊ ብር 4 ነጥቢ 1 ሚልየን ተበርኪቱ። ነዚ ሓገዝ ዘበርከቱ ወናኒ ኮንስትራክሽን ተኽለብርሃን እምባዬ ኣይተ ተኽለብርሃን እምባዬ ብር 1…

ባይቶ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንምክልኻልን ምቁፅፃርን ቫይረስኮሮና ዓሊሙ ዝወፅአ ድንጋገ ህፁፅ ኣዋጅ ን3 ኣዋርሕ ኣናዊሑዎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንምክልኻልን ምቁፅፃርን ቫይረስኮሮና ዓሊሙ ዝወፅአ ድንጋገ ህፁፅ ኣዋጅ ንሰለስተ ኣዋርሕ ክናዋሕ ወሲኑ። ፈፃሚ ስራሕ ካብኔ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና (COVID-19) ንምክልኻል…

ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ንዳይሬክተር ጀነራል ትካል ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝድግፉ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ንዳይሬክተር ጀነራል ትካል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብሙሉእነት ከምዝድግፉ ኣፍሊጦም። እቶም ፕሬዚዳንት ነዚ ዝበሉ፥ ዶክተር ቴድሮስ ትማሊ ረቡዕ ዝገበርዎ ፃውዒት ስዒቦም ኢዮም።…

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዘ ተወሳኺ ሓደ ሰብ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዘ ተወሳኺ ሓደ ሰብ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።   ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 294 ሰባት ምርመራ ላቦራቶሪ ዝተገበረ እንትኸውን፥ ካብዚኦም እቲ ሓደ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፈ ምርግጋፁ…

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ፅባሕ ኣብ ዘሳልጦ ፍሉይ ኣኼብኡ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ከፅድቕ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ፅባሕ ኣብ ዘሳልጦ ፍሉይ ኣኼብኡ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ለበዳ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል፣ ንምቁፅፃርን ዘስዕቦ ጉድኣት ንምቕናስን ዓሊሞም ዘውፅእዎ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ከምዘፅድቕ ተገሊፁ። ብተወሳኺ መምርሒ ኣፈፃፅማ እቲ ኣዋጅ…

ኣብ መንበሪ ገዛ ዝበፅሕ መጥቃዕቲ ዝምልከት ክሲ ኣብያተ ፍርዲ ፌዴራል ካብ ዝርእይዎም ህፁፃት ጉዳያት ሓደ ክኸውን ከምዝግባእ መምርሒ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ወይዘሮ መዓዛ አሸናፊ ኣብ መንበሪ ገዛ ዝበፅሕ መጥቃዕቲ ኣብያተ ፍርዲ ፌዴራል ካብ ዝርእይዎም ህፁፃት ጉዳያት ሓደ ክኸውን ከምዝግባእ መምርሒ ከምዝተውሃበ ገሊፀን። እተን ፕሬዚዳንት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር…