Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ንሃገራት ኣፍሪካ መከላኸሊ መሳርሒታት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብምክፍፋል ትዋፅኦ ዘላ ግደ ምስጋና ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕብረት ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ብኢኒሼቲቭ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ-ጃክ ማ ኣቢላ ንሃገራት ኣፍሪካ መከላኸሊ መሳርሒታት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብምክፍፋል ትዋፅኦ ዘላ ግደ ምስጋና ኣቕሪቡ። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማሃማት ንቀዳማይ…

ካብ ማላዊ ናብ ሞዛምቢክ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካብ ማላዊ ናብ ሞዛምቢክ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ህይወቶም ከምዝሓለፈ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ። እቶም ስደተኛታት ካብ ማላዊ ናብ ሞዛምቢክ ክሰግሩ ኣብ ዝተሳፈሩላ ናይ መጓዓዝያ መኪና ተዓፊኖም ከም ዝሞቱ ኢዩ ተሓቢሩ።…

ሰራሕተኛታት ሚኒስቴር ኣብያተ ዕዮ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ውሳነ ክሳብ ዝመሓላለፍ ኣብ መንበሪኦም ኮይኖም ንክሰርሑ ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ቫይረስኮሮና(ኮቪድ 19) ከስዕቦ ዝኽእል ገደብ ኣልቦ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ፀገም ንምክልኻል ዓሊሙ ህፁፅ ኣኼባ ሎሚ መዓልቲ ኣካይዱ። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘሳለጦ ኣኼባ፥ ሰራሕተኛታት ሚኒስቴር ኣብያተ ዕዮ ካብ…

ሳንሼንግ ፋርማቲካል ኢስተርን ኢንዱስትሪ ዞን ኣብ መዓልቲ 24 ሺሕ ሊትሮ ሳኒታይዘር ምፍራይ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሳንሼንግ ፋርማቲካል ኢስተርን ኢንዱስትሪ ዞን ዱከም ኣብ መዓልቲ 24 ሺሕ ሊትሮ  ሳኒታይዘር ምፍራይ ጀሚሩ። ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ኣይተ ኣበበ ኣበባየሁ ኣብ ትዊተር ገፅ ከምዝፀሓፍዎ፥ ሳንሼንግ ፋርማቲካል ኣእዳውካ ብምፅራይ…

ኣብ ትግራይ ብቫይረስኮሮና ዝተጠርጠሩ 16 ሰባት ብምርመራ ነፃ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ብቫይረስኮሮና ዝተጠርጠሩ 16 ሰባት ብምርመራ ላቦራቶሪ ነፃ ከምዝኾኑ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎድፋይ፥ እቶም ተጠርጠርቲ ናፃ ከምዝኾኑ ኣብ ትዊተር ገፅ…

ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዝተጣየሸ ግብረ ሓይሊ ካብ ዘቐመጦ ኣንፈት ወፃእ ኣኼባታት ኣይካየዱን-ፓርቲ ብልፅግና

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዝተጣየሸ ግብረ ሓይሊ ካብ ዘቐመጦ ኣንፈት ወፃእ ኣኼባታት ከምዘይካየዱ ፓርቲ ብልፅግና ኣፍሊጡ። ሓላፊ ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣወሉ ኣብዲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቲ ፓርቲ ዘዳለዎ…

ቀ/ሚ ዶ/ር ኣቢይ ቫይረስኮሮና ብዝምልከት ምስ ሙሳ ፋኪ ማህማት፣ ቶኒ ብሌርን ጎርደን ብራውንን ብ “ቴሌፎን” ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ቫይረስኮሮና (ኮቪድ 19) ብዝምልከት ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማህማት፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ብሪታኒያ ነበር ቶኒ ብሌርን ጎርደን ብራውንን ብ “ቴሌፎን” ተዛቲዮም። ኣብ እዋን…

ኢትዮጵያ ቫይረስኮሮና ኣብ ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ዘስዕቦ ፅዕንቶ ንምንካይ ዘኽእል ምክረ ሓሳብ ንኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ኣቕሪባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ቫይረስኮሮና(ኮቪድ 19) ኣብ ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ዘስዕቦ ፅዕንቶ ንምንካይ ዘኽእል በዓል ሰለስተ ነጥቢ ምክረ ሓሳብ ንኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ኣቕሪባ። እቲ ምክረ ሓሳብ ቫይረስኮሮና(ኮቪድ 19)  ኣብ ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ልዑል ስግኣት ከምዝፈጠረ…

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፈ ተወሳኺ ሓደ ሰብ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፈ ተወሳኺ ሓደ ሰብ ተረኺቡ። እቲ ወዲ 34 ዓመት ኢትዮጵያዊ 10 መጋቢት 2012 ዓ.ም ካብ ዱባይ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ኢዩ ተባሂሉ። ምልክታት ሕክምና ስለዝተርኣዮ 13 መጋቢት ናብ ትካል ጥዕና…

ብብርኪ ዓለም ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ቁፅሪ ሰባት ልዕሊ 382 ሽሕ በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ዓለም ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ቁፅሪ ሰባት ልዕሊ 382 ሽሕ ከምዝበፅሐ ተገሊፁ። ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝበሎ፥ ፈላማይ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ካብ ዝሕበር ጀሚሩ እቶም ናይ መጀመርታ 100 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ንክትሓዙ ዝወሰደሎም…