Fana: At a Speed of Life!

ንፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኣቑሑት ላቦራቶሪ ፎረንሲክ ተበርኪቱሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ግሩፕ ዣንገባኦ ሁዋን ቻይና ግሩፕ ብዙሓት ኣቑሑት ላቦራቶሪ ፎረንሲክ ንፖሊስ  ፌዴራል ኢትዮጵያ ኣበርኪቱ፡፡ ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገ/ሚካኤል ብሓገዝ ዝተበርከቱ ኣቑሑት ዝተረከቡ እንትኾኑ÷ እቲ ኩባንያ ንዝገበሮ ሓገዝ…

ኣፈፃፅማ ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ንፋስ ኣይሻ ሰለስተ 83 ነጥቢ 8 ሚኢታዊ በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈፃፅማ ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ንፋስ ኣይሻ ሰለስተ 83 ነጥቢ 8 ሚኢታዊ ከመዝበፅሐ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡ እቲ መፈልፈሊ ሓይሊ ንፋስ 120 ሜጋ ዋት ሓይሊ ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ክህልዎ ተሓሲኑ እናተሃነፀ ዝርከብ ፕሮጀክት…

መበል 19 በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ንኹሉ ሕብረተሰብ ብዘሳተፈ መልክዑ ክኽበር ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 19 በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ብብርኪ ሃገር፣ ኣብ ክልላትን ክልቲአን ምምሕዳር ከተማታትን ንኹሉ ሕብረተሰብ ብዘሳተፈ መልክዑ ከምዝኽበር ተገሊፁ። ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን እቲ በዓል ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ሃገር…

ነበር ተፃዋታይ ጋንታ ቦሩሺያ ዶርትሙንድ ኔቬን ሱቦቲች ኣብ መቐለ ይርከብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ተፃዋታይ ጋንታ ቦሩሺያ ዶርትሙንድን መስራትን ኣካየዲ ስራሕን ፋውንዴሽን ዌልፌየር ኔቬን ሱቦቲች ኣብ ክልል ትግራይ ዑደት ንምግባር ናብ ከተማ መቐለ ኣቲዩ። ኔቬን ሱቦቲች ብትካሉ ኣቢሉ ኣብ ትግራይ ዝሰርሖም ፕሮጅክትታት ቀረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ…

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣብ ኮፕ29 ንምስታፍ ንብ ኣዘርባጃን ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣብ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ)(ኮፕ 29) ንምስታፍ ንብ ኣዘርባጃን ኣቲዮም። እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሃይደር ኣሊየቭ እንትበፅሑ ሚኒስትር ጥዕና ኣዘርባጃን ቴይሙር ሙሴየቭ ሓዊሱ…

ውሳነታት ጉባኤ ኮፕ29 ጉባዔ ንቅልውላው ክሌማዊ ለውጢ ምላሽ ክህቡ ይኾኑ ዶ?

ኣዲ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መሬት ክሌማዊ ለውጢ ኣየር ብዘስዕቦ ፅዕንቶ ኣብ ቅልውላው ካብ ትኣቱ ውዒላ ሓዲራ ኣላ። ዝተናወሐ ድርቂ፣ ካብ መጠን ዝሓለፈ ዝናብ፣ ውሕጅ፣ ሁቦብላ ዝተሓወሶ ኣውሎ ንፋስ ብተደጋጋሚ እናጋጠሙ ምዝባሕ ስነ-ህይወት መሬት ዝተለመደ ኮይኑ ይርከብ። እዚ…

ኣብ መርካቶ ዝተረጋገአ ዕድጊት ኣሎ!

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ መርካቶ ሓደ ሓደ ነጋዶ “ንብረት ክውረስ ኢዩ፤ ዱንኳንና ክዕፆ ኢዩ” ኣብ ዝብል ምድንጋር ከምዝኣተዉ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ተዓዚብና ነይርና፡፡ እቲ ምድንጋር ካበይ መፂኡ ዝብል ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ብዝገበሮ…

ኣብ ቢሾፍቱ ፕሮጀክት ስማርት ሲቲ ንንምጅማር ሰነድ ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምምሕዳር ከተማ ቢሾፍቱን ኢትዮ ቴሌኮምን ፕሮጀክት ስማርት ሲቲ ቢሾፍቱ ንምጅማር ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም። እቲ ስምምነት ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ቢሾፍቱ ኣለማየሁ ኣሰፋ ተፈራሪሞምዎ፡፡…

ሎሚ መዓልቲ ኣብ መርካቶ እንታይ ኣጋጢሙ…?

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ መርካቶ ሕደ ሓደ ነጋዶ ንብረት ክውረስ ኢዩ፤ ድንኳንና ክዕፆ ኢዩ ኣብ ዝብል ምድንጋር ይርከቡ። እቲ ምድንጋር ካበይ መፂኡ ዝብል ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ብዝገበሮ ምፅይ፤ ብደረሰኝ ክተዓዳደጉ ዝግበኦም ነጋዴ ብደረሰኝ…

ኣብ ኢትዮጵያ 1 ነጥቢ 9 ሚሊየን ዜጋታት ምስ ሕማም ሽኮር ከምዝነብሩ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ 1 ነጥቢ 9 ሚሊየን ዜጋታት ምስ ሕማም ሽኮር ከምዝነብሩ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ዓለም ለኸ መዓልቲ ሕማም ሽኮር ኣብ ኢትዮጵያ ንመበል 34 ግዘ 5 ሕዳር 2017 ዓ.ም ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ክኽበር ኢዩ፡፡ ኣብ ሚኒስቴር…