Fana: At a Speed of Life!

4 ሚሊዮን ዝኾኑ ዜጋታት ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ የድልዮም – ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ 4 ሚሊዮን ዝፅግዑ ዜጋታት ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ከምዘድልዮም ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሊጡ። ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋን ኣብ ውድብ ሕራት መንግስታት መተሓዳደሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ኢትዮጵያ እናተወገነ ዝርከብ እዋናዊ ቀረብ…

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መመዘኒ ፈተና ካብ ዝወሰዱ ዳይሬክተራትን መራሕቲ ጉጅለን እቶም 34 ሚኢታዊ ከምዝሓለፉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከቡ ሰራሕተኛታት ዝተውሃበ ፈተና ቴክኒክን ብቕዓት ባህሪን ውፅኢት ዕላዊ ኮይኑ። ብዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባን ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ኮተቤን ዝተሰናደአን ንሰራሕተኛታት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተውሃበን ፈተና…

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ውስትራሊያ 2ይ ትውልዲ ኢትዮጵያውያን ዝምዝገቡሉ ሊንክ ኣፋሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣውስትራሊያ ካምቤራ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ውስትራሊያ፣ ኒውዚላንድን ኣብ ቀጠና ሃገራትን ንዝነብሩ 2ይ ትውልዲ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዝምዝገቡሉ ኣማራፂ መፈጠሪ መርበብ ሓበሬታ (ሊንክ) ኣፋሊጡ፡፡ እቲ ኤምባሲ ቅድም ክብል…

ኢትዮ-ቴሌኮም ንማእኸል መሕገዚ ህፃናት ሕሙማት ልቢ ዝውዕል ዲጂታል ኣማራፂ መተኣኻኸቢ ሓገዝ ኣሰናዲኡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ-ቴሌኮም ንማእኸል መሕገዚ ህፃናት ሕሙማት ልቢ ኢትዮጵያ ዝግበር ሓገዝ ቀሊልን ቅልጡፍን ንምግባር ዘኽእል ዲጂታል ኣማራፂ መተኣኻኸቢ ሓገዝ ከምዘሰናደአ ኣፍሊጡ። ዳይሬክተር ዲቪዥን ኮሙኑኬሽን ኢትዮ- ቴሌኮም ወ/ሮ ኣዜብ መለሰ እቲ ዲጂታል…

ተሳፋሪ ኣተኣጓጒሎም ዝተባህሉ 823 ኣሽከርከርቲ ተቐፂዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ  ኣዲስ ኣበባ ተሳፋሪ ኣተኣጓጒሎም ዝተባህሉ 823 ናይ ህዝቢ ግልጋሎት ትራንስፖርት ወሃብቲ ኣሽከርከርቲ ልዕሊ 596 ሺሕ ብር ተቐፂዖም። መቕፃዕቲ ገንዘብ ካብ ዝተመሓላለፈሎም ብተወሳኺ ብምኽሪ ዝተሓለፉ ከምለዉ እውን ምክትል ሓላፊ ቢሮ…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ 30 መቋረፂ እግረኛ ተሰገርቲ ድልድላትን መመሓላለፊታትን ክህነፁ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀሊል ባርን ቀለበት መገዲታትን 30 መቋረፂ እግረኛ ተሰገርቲ ድልድላትን መመሓላለፊታትን ከምዝህነፁ በዓል መዚ መገዲታት እታ ከተማ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ርክብ ህዝቢ በዓል መዚ መገዲታት ኣዲስ ኣበባ ኢያሱ ሶሎሞን÷ “እቲ በዓል መዚ…

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ካዛብላንካ ሓዱሽ ናይ ፅዕነት ግልጋሎት በረራ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሞሮኮ ካዛብላንካ ሓዱሽ ናይ ፅዕነት ግልጋሎት በረራ ጀሚሩ። ነዚ ስዒቡ ድማ እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ኣፍሪካ ዘለዉዎ መባፅሕቲ በዝሖም ናብ 35 ከዕቢ ክኢሉ፡፡ #Ethiopia እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦…

ፍራንዝ ቤከንባወር ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ኮኸብ ተፃዋታይ ኩዕሾ እግሪ ምዕራብ ጀርመንን ጋንታ ባየርሙኒክን ፍራንዝ ቤከንባወር ኣብ 78 ዓመቱ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ። ቤከንባወር ጀርመን ብ1974 ፅዋዕ ዓለም እንትተልዕል ንሃገራት ጋንታኡ ብኣምበልነት ክመርሕ ዝኸኣለ እንትኸውን÷…

ላዕለዋይ ወታደራዊ ኣዛዚ ሂዝቦላህ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ከምዝተቐተለ ተሰሚዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ወታደራዊ ኣዛዚ ሂዝቦላህ ዊሳም ታዊል ብመጥቃዕቲ እስራኤል ከምዝተቐተለ ተሰሚዑ። እቲ ወታደራዊ ኣዛዚ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ብዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላን ኢዩ ተቐቲሉ፡፡ ዊሳም ታዊልን ካልኦት ኣባላት ሂዝቦላህን…

ኣብ ኲናት እስራኤልን ሃማስን 1 ነጥቢ 9 ሚሊየን ፍልስጤማውያን ካብ ጋዛ ተመዛቢሎም – ውሕመ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምኽንያት ኲናት እስራኤልን ሃማስን ክሳብ ሕዚ 1 ነጥቢ 9 ሚሊየን ፍልስጤማውያን ካብ ጋዛ ከምዝተመዛበሉ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ኣፍሊጡ። እቶም ተመዛበልቲ ሰሜን ጋዛን ጋዛን ሓዊሱ ካብ ሓሙሽተ ግዝኣታታ ዝተውፃእፅኡ እንትኾኑ÷ ውሕመ…