Fana: At a Speed of Life!

ኤልኒኖ ብዘስዐቦ ድርቂ ኣብ መትረብ ፓናማ ቁፅሪ መርከባት ክንኪ ከምዝግበር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መትረብ ፓናማ ኣብ ውሽጢ 70 ዓመታት ተራኢዩ ዘይፈልጥ ድርቂ ብምግጣሙ እቲ መተሓላለፊ ዝጥቀማ መርከባት ቁፅረን ብዝበለፀ ከመዝንኪ ሰብ መዚ ተዛሪቦም። ምምሕዳር ሩባ ፓናማ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 1950 ጀሚሩ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ…

እስራኤል ሓደ ላዕለዋይ ወታደራዊ ኣዛዚ ሃማስ ምቕታላ ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤል ብዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ኣየር ሓደ ላዕለዋይ ወታደራዊ ኣዛዚ ሃማስ ምቕታላ ኣፍሊጣ። ኢብራሂም ቢኣሪ ዝተባህለ ላዕለዋይ ወታደራዊ ኣዛዚ÷ ጦር እስራኤል ኣብ ከባቢ ወሽመጥ ጋዛ ብዝፈጠሞ መጥቃዕቲ ኣየር ኢዩ ተቐቲሉ፡፡ እቲ ወታደራዊ ኣዛዚ…

ከንቲባ ከተማ ቹንቾን ዶጊ ሃን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ማእኸል መሰንከቲ እንጀራ ጎብኒዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ደቡብ ኮሪያዊት ከተማ ቹንቾን ዶጊ ሃን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ ዝርከብ ማእኸል መሰንከቲ እንጀራ ጎብኒዮም። ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 90 መዓልቲታት ካብ ዝተሃነፁ ፕሮጀክታት ሓደ ዝኾነ እቲ ማእኸል÷ ሚያዝያ…

ዓመታዊ ጉባኤ ዓውዲ ጥዕና ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)‘ጥንኩር ፋይናንስ ጥዕና ንዘላቒ ልምዓት ጥዕና’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መበል 25 ዓመታዊ ጉባኤ ዘፈር ጥዕና ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ። እቲ ጉባኤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብ ክልል ኦሮሚያን ከተማ ሸገር ዝተፈላለዩ ትካላት ጥዕና ኣወሃህባ ግልጋሎት ጥዕና…

100 ጀመርቲ ትካላት ቴክኖሎጂ ብምድጋፍ ንልዕሊ 56 ሺሕ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ከምዝተሃቀነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ዓውዲ ኢ-ኮሜርስ ዝተዋፈሩ 100 ጀመርቲ ትካላት ቴክኖሎጂ ብምድጋፍ ንልዕሊ 56 ሺሕ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ከምዝተሃቀነ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣፍሊጡ፡፡ ኢ-ኮሜርስ መሰረት ብምግባር ኣብ ንግዲ ዝተዋፈሩ…

ርክብ ክልላት ትግራይን ላዝዮን ክብ ንምባል ዘኽእል ስምምዕነት ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣብ ሃገረ ጣልያን ፕረዚደንት ክልል ላዝዮ ፍራንሲስኮ ሮካ ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተዛቲዮም። ኣይተ ጌታቸው ረዳ÷ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ጣልያን ምስ ትግራይ ንእትገብሮ ሰናይ…

ኣሜሪካ ኣብ ሞንጎ ሃማስን እስራኤልን ምቁራፅ ተኹሲ ንኽግበር ዝቐረበ ፃውዒት ውድቂ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ኣብ ሞንጎ ሃማስን እስራኤልን ምቁራፅ ተኹሲ ንኽግበር ዝቐረበ ዓለም ለኸ ፃውዒት ከምዘይትቕበል ኣፍሊጣ። ኣቐባሊ ቃል ብሄራዊ ድሕንነት ኣሜሪካ ጆን ኬርቢ፥ “ኣብ ሞንጎ ሃማስን እስራኤልን ምቁራፅ ተኹሲ ይገበር ንምባል ትኽለኛ ሰዓት…

ከንቲባ ደቡብ ኮሪያዊት ከተማ ቾንቹን ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓፍቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝኾነት ከንቲባ ደቡብ ኮሪያዊት ከተማ ቾንቹን ዩክ ዶንግ ሃን ዕላዊ ዑደት ስራሕ ምስ ጉጅለ ልኡኾም ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም፡፡ ከንቲባ ዩክ ዶንግ ሃን ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ምክትል ከንቲባ ከተማ…

ብፕሬዚዳንት ክልል ላዝዮ ዝተመርሐ ልኡኽ መቐለ ኣትዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብፕሬዚዳንት ኣብ ሃገረ ጣልያን ናይ እትርከብ ክልል ላዝዮ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ መቐለ ኣትዩ። ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቀባብላ ገይሮሙሉ።…

ሉሲታት ናይ መልሲ ፀወተአን ሎሚ መዓልቲ ክገብራ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መፃረዪ ፀወታ ኩዕሾ እግሪ ኦሎምፒክ ደቂ ኣንስትዮ 2024 ካልኣይ ዙር ናይ መልሲ ፀወታ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ምስ ናይጀሪያ መዘነኣ ክተካይድ ኢያ። እቲ ፀወታ ሎሚ ምሸት ሰዓት 12፡10 ኣብ ኣቡጃ ስታዲየም ኣቢዮላ ከምዝገብር ካብ ፌዴሬሽን…