Fana: At a Speed of Life!

ክብረ በዓል ዳሜራ መስቀል ኣብ መቐለ ጎቦ ጮምዓ ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስነ ስርዓት ክብረ በዓል ዳሜራ መስቀል ኣብ መቐለ ጎቦ ጮምዓ ተኸቢሩ። ኣብቲ ኣከባብራ በዓል፥ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ከተማ መቐለ ኣቡነ ኢሳያስ ሓዊሱ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ምእመናን፣ ርእሰ ምምሕዳር ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው…

ኣብ ኢራቅ ኣብ ስነ ስርዓት ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ህይወት 100 ሰባት ምሕላፉ ተሰሚዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሰሜን ኢራቅ ኣብ ስነ ስርዓት ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ህይወት 100 ሰባት ከምዝሓለፈ ተገሊፁ። በቲ ሓደጋ ንሕልፈት ካብ ዝተቓልዑ ሰባት ብተወሳኺ፥ 150 ሰባት ከምዝቖሰሉ ቢቢሲ ፀብፂቡ። መበገሲ እቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብቲ መርዓ…

በዓል መውሊድ ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 1 ሺሕን 498 በዓል መውሊድ ብተኸተልቲ እምነት እስልምና ተኸቢሩ። እቲ በዓል ምኽንያት ብምግባር ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ትሽዓተ ግዘ መድፍዕ ተኲሱ። በዓል መውሊድ ሰናይ ተግባራት ነቢዩ መሓመድ (ሰዓወ) መምርሒ ህይወት ንምግባር…

በዓላት መስቀል ዳሜራን መውሊድን ብሰላም ንኽዛዘም ምድላው ምግባሩ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓላት መስቀል ዳሜራን መውሊድን ብሰላም ንኽዛዘሙ እኹል ምድላው ከምዝገበረ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ገሊፁ። እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ንፋና ብሮድ ካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፤ ንበዓላት መስቀል ዳሜራን መውሊድን እንኳ…

በዓላት ብሰላም ንኽኽበሩ ምድላው ተገይሩ – ኮማንድ ፖስት

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንግሲ ግሸን ደብረ ከርቤ፣ በዓላት መውሊድን መስቀልን ብሰላማዊ መገዲ ንኽኽበሩ ቅድመ ምድላው ከምዝተገበረ ኮማንድ ፖስት ዞባ ደቡብ ወሎን ምምሕዳር ከተማ ደሴን ኣፍሊጡ፡፡ ኣባል እቲ ኮማንድ ፖስት ሻለቃ ደግሰው ዶሻ ከምዝገለፁዎ÷ 21 መስከረም…

ኬንያ መፈልፈሊ ሓይሊ ኒውክሌር ክትሃንፅ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኬንያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2027 ጀሚራ ህንፀት መፈልፈሊ ሓይሊ ኒውክሌር ንምጅማር ከምዝሃቀነት ተገሊፁ፡፡ እቲ ትልሚ÷ ምስ ምውሳኽ በዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ተተሓሒዙ ካብ ብኽለት ኣየር ናፃ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ስለዘድለየ ከምዝኾነ…

ንበዓል ዳሜራ ንተሽከርከርቲ ዕፁዋት ዝኾኑ መገዲታት ዕላዊ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፅባሕ ኣብ ኣደባባይ መስቀል ዝኽበር በዓል ምኽንያት ንተሸከርከርቲ ዝዕፀዉ መገዲታት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዕላዊ ገይሩ፡፡ ብመሰረት ፅባሕ ረፋድ ካብ 5:00 ጀሚሩ ክሳብ ፍፃመ እቲ በዓል፡- ካብ ኡራኤል ኣደባባይ ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወስድ…

በዓል መውሊድ እንትኽበር ሰናይ ስራሕቲ ነብዩ መሓመድ ብምትግባር ክኸውን ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መውሊድ እንትኽበር ሰናይ ስራሕቲን እዝነታትን ነብዩ መሓመድ (ሰዐወ) ብምትግባር ክኸውን ይግባእ ተገሊፁ። መበል 1 ሺሕን 498 በዓል መውሊድ ነብዩ መሓመድ ኣብ ዓብዪ መስጊድ ኣንዋር ፅባሕ ከምዝኽበር ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና…

ንበዓል ዳሜራ ኣብ ኣደባባይ መስቀል መርሃ ግብሪ ፅሬት ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ዳሜራ ዝኽበረሉ ኣደባባይ መስቀል መርሃ ግብሪ ፅሬት ተሳሊጡ። ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ዋና መካየዲ ስራሐ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጥራቱ በየነ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከምዝገለፁዎ÷ ቀንዲ ዕላማ እቲ ወፍሪ ፅሬት ካብ ፅሬት ሓሊፉ ኣብቲ ቦታ…

ሚኒስቴር ባህሊ ሩሲያ በዓል መስቀል ምኽንያት ብምግባር ኣብ ኣዳራሽ ፑሽኪን ምድላው ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ባህሊ ሩሲያ በዓል መስቀል ምኽንያት ብምግባር ኣብ ኣዳራሽ ፑሽኪን ምድላው ኣቕሪቡ። ባህላዊን ሃይማኖታዊ ክብሪታት ዝጎልሁሉ መርሃ-ግብሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዳራሽ ፑሽኪን ዘሰናደኦ እቲ ሚኒስቴር÷ ምስ መምርሒ ርክባት ወፃኢ ኦርቶዶክስ ቤተ…