Fana: At a Speed of Life!

ተጠባባቒ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ ልኡኽትኡ ንኽዋፃእ ብመንፅር ፋይናንስን ሓይሊ ሰብን ኣባል ሃገራት ዋጋ ከፊለን ኢየን – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ተጠባባቒ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ ትፅቢት ዝግበረሉ ልኡኽቶ ንኽዋፃእ ብመንፅር ፋይናንስን ሓይሊ ሰብን ኣባል ሃገራት ዋጋ ከምዝኸፈላ ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም። ኣኼባ ኢታማዡር ሹማትን ኣካላት…

ምደባ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ነጥቢ ዘምፅኡ ተምሃሮ ምደባ ዩኒቨርሲቲ ዕላዊ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ፡፡ ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2014 ዓ.ም ሃገር ለኸ ፈተና 12 ክፍሊ ወሲዶም 50 ሚኢታዊን ልዕሊኡን ዘምፅኡን ተምሃሮ÷ንሚኒስቴር ትምህርቲ…

ብቀይሕ ባሕሪ እናተጓዙ ዝነበሩ 383 ኢትዮጵያዊያን ፍልሰተኛታት ካብ ሞት ምድሓን ተኻኢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብቀይሕ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ የመን እናተጓዙ ዝነበሩ 383 ኢትዮጵያዊያን ፍልሰተኛታት ካብ ሞት ከድሕን ከምዝኸኣለ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቱ ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያዊያን ፍልሰተታት ፅዒኖም ናብ የመን ኣብ ምጉዓዝ ዝነበሩ ዘይሕጋውያን ጃልባታ ኣዘዋወርቲ…

ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሮ ስራሕቲ ተግባራዊ ልምምድ ዕጀባን ፀጥታን ብዓወት ምዝዛሙ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣብ ዋና ዋና መገዲታት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሮ ስራሕቲ ተግባራዊ ልምምድ ዕጀባን ፀጥታን ብዓወት ምዝዛሙ ኣፍሊጡ። ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ድሕሪ ሒደት መዓልቲታት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ…

ምደባ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ካብ ሎሚ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ዕላዊ ክግበር ኢዩ -ሚኒስቴር ትምህርቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምደባ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ካብ ሎሚ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ዕላዊ ከምዝግበር ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ። ኣብ 2014 ሃገር ለኸ ፈተና 12 ክፍሊ ወሲዶም 50 ሚኢታዊን ልዕሊኡን ዘምፅኡ፣ ነቲ ሚኒስቴር ተፀዋዕቲ ኣብ ዝኾኑ ናይ መንግስቲ ዩኒቨርስቲታት…

መርሃ ግብሪ መጀመሪ ካልኣይ ምዕራፍ መኣዲ ንሃገር ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ መጀመሪ ካልኣይ ምዕራፍ መኣዲ ንሃገር ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ዝተረኸባሉ ተኻይዱ። መርሃ ግብሪ ምትእኽኻብ እቶት ካልኣይ ምዕራፍ መኣዲ ንሃገር÷ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከቡ ክሳብ ሕዚ ተበፃሒ…

ኤክስፖርት ስርናይ ኢትዮጵያ ጋህዲ ክንገብር ክኢልና – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”ኤክስፖርት ስርናይ ኢትዮጵያ ጋህዲ ክንገብር ክኢልና” ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ÷ ሎሚመዓልቲ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ባሌ ተረኺቦም ኤክስፖርት ፍርያት ስርናይ ኢትዮጵያ ኣጀሚሮም። ነዚ ኣመልኪቶም ኣብ…

ሚኒስትር ሕርሻ ምስ ተወካሊ ዓለም ለኸ ትካል ፈንድ ልምዓት ሕርሻ ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ ምስ ተወካሊን ዳይሬክተርን ዓለም ለኸ ትካል ፈንድ ልምዓት ሕርሻ ኣብ ኢትዮጵያ ማዊራ ቺቲማ ተዛቲዮም። ኣብቲ እዋን ዘተ ብዓለም ለኸ ፈንድ ልምዓት ሕርሻ ዝተሳለጡ ስራሕቲን ብዝተረኸቡ ውፅኢታትን ከምኡ እውን ኣብ ቀፃሊ…

ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ጠሚቱ ካብ ክልላት ዝተውሃበ መግለፂ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ጠሚቱ ካብ ክልላዊ መንግስታት ዝተውሃበ መግለፂ። ብሄራዊ ክልላዊ መንግስታት ኦሮሚያ፣ ዓፋር፣ ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ፣ ሶማሌ፣ ሃረሪ፣ ደቡብን ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ኣመልኪቶም መግለፂ ኣወፂኦም።…

ንስራሕ ናብ ወፃኢ ዝኸዱ ዜጋታት መሰሎምን ድሕንነቶምን ንኽሕሎ እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንስራሕ ናብ ወፃኢ ዝኸዱ ዜጋታት መሰሎምን ድሕንነቶምን ዝተሓለወን ስርዓት ምውፋር ስራሕ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘን ንምግባር  እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ኣፍሊጡ። ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ምስ ኣምባሳደር ስዑድ ዓረብ…