Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 57 ሺሕ 295 ሜትሪክ ቶን ኤን.ፒ.ኤስ ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበርያ) ኣብጅቡቲ ተራጊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዘበነ ምህርቲ 2015/16 ዓ.ም ናብ ውሽጢ ሃገር ክኣቱ ካብ ዝግበኦ ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበሪያ) እቲ ናይ መጀመርታ ልዕሊ 57 ሺሕ 295 ሜትሪክ ቶን ኤን. ፒ.ኤስ መዳበሪያ ኣብ ጅቡቲ ተራጊፉ፡፡ ካብ ሞሮኮ መዳበርያ ዝፀዓነት ፈላመይቲ መርከብ…

ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ከይዲ ሰላም ተጠናኺሩ ንኽቕፅልንዝድለ ውፅኢት ንኽመፅእን ተሳትፎ ህዝቢ ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ከይዲ ሰላም ተጠናኺሩ ንኽቕፅልንዝድለ ውፅኢት ንኽመፅእን ተሳትፎ ህዝቢ ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ ኣብ ከተማ ዓድዋ ብዝተገበረ መድረኽ ዘተ ተገሊፁ። ኣብቲ መድረኽ ዘተ መንግስቲ ፌዴራል ድሕሪ እቲ ስምምዕነት ሰላም ኣብቲ ክልል ሰላም…

ከተማ ሶሮቃ ዳግም ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዝነበረ ጎንፂ ኣብ መሰረተ ልምዓት ኤሌክትሪክ ብብምኽንያት ዝበፅሐ ዕንወት ኣብ ከተማ ሶሮቃ ተቛሪፁ ዝነበረ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ዳግም ኣገልግሎት ተመሊሱ። ኣብ ሶሮቃን ከባቢኣን ንክልተ ዓመት ተቋሪፁ ዝነበረ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ዳግም ተመሊሱ…

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ቱርኪ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ይገብሩ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብላዕላዋይ ኢታማዦር ሹም ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ሪፐብሊክ ቱርኪ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ይገብር ኣሎ። ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ምስ ቱርኪ መዘነኦም ያሳር ጉለር ጋርም ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተራኺቦም ተዛቲዮም። ኣብቲ…

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ህንድ ዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ክንሰርሕ ኢና – ኣምባሳደር ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ህንድ ዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝሰርሑ ኣምባሳደር ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ሼሪ ሮበርት ሸክቲንተን ገሊፆም። ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ ምስ ኣምባሳደር ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ሼሪ ሮበርት ሸክቲንግተን…

መስርሒታ ዝቐተለት ውልቀሰብ ብድመ ልክዕ ፅኑዕ ማእሰርቲ  ክትቅፃዕ ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ “ወር መሃያ ኣይተኸፈለኒን” ብዝብል ቂም ተለዓዒላ ንመስርሒታ ቀቲላ ዝተብሃለት ኣበቡ ሙላቴ ብዕድመ ልክዕ ፅኑ ማእሰርቲ ክትቅፃዕ ውሳነ ተመሓላሊፉ፡፡ ኣብ ሚኒስቴር ፍትሒ ዘፈር ዓቃቢ ሕጊ ዳይሬክቶሬት ጉዳያት ፍሉይ ገበን÷ ዓቃቢ…

ፍኖተ ካርታ ኣወሃህባ ቅድመ መጠንቀቕታ ሓደጋን ቅልጡፍ ምላሽን ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፍኖተ ካርታ ኣወሃህባ ቅድመ መጠንቀቕታ ሓደጋን ቅልጡፍ ምላሽን ዕላዊ ኮይኑ። እቲ ፍኖተ ካርታ÷ ንዝቕፅሉ ሸሞንተ ዓማውቲ ዝትግበር እንትኸውን÷ ሓደጋ ኣቐዲምካ ኣብ ምክልኻል ትካላት ተዋዲደን ንኽሰርሓ ዝገብር ከምዝኾነ ተገሊፁ። ውፅታዊ…

ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ናብ መቐለ ስሩዕ በረራ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ስሩዕ በረራ ከምዝጅምር መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር መስፍን ጣሰው ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ከምዝበሉዎ÷ ተቛሪፁ ዝነበረ ትራንስፖርት ኣየር ኣዲስ ኣበባ…

1 ሺሕን 187 ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 1 ሺሕን 187 ኢትዮጵያውያን ሎሚ መዓልቲ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም። ናብ ሃገሮም ካብ ሞንጎ ዝተመለሱ ዜጋታት 57 ህፃናትን እንትኾኑ፥ 358 ደቂ ኣንስትዮን ከምዝኾና ተገሊፁ፡፡ ተመለስቲ ግቡእ…

ሩሲያ ናብ ኣውሮፓ ትገብሮ ቀረብ ጋዝ ዳግም ክትጅምር ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ብወገን መስመር ጋዝ ያማል- ኣውሮፓ ኣቢላ ናብ ኣውሮፓ ትገብሮ ቀረብ ጋዝ ዳግም ከምትጅምር ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ኣሌክሳንደር ኖቫክ ገሊፆም። ኣብ ኣውሮፓ ሕፅረት ጋዝ ከምዝቐፀለ ዝሓሩ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒትር÷ ኣብቲ ቦታ…