Fana: At a Speed of Life!

ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 መኽፈሊ እዋን ልቓሕ ድኻታት ሃገራት ኣናዊሐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 መኽፈሊ እዋን ልቓሕ ድኻታት ሃገራት ከምዘናወሓ ኣፍሊጠን። ሚኒስትራት ገንዘብ እተን ሃገራት ትማሊ ኣብ ዘሳለጥዎ ኣኼባ፥ እተን ድኻታት ሃገራት ቫይረስኮሮኖ ንምክልኻልን ምቁፅፃርን ዓሊመን ዝገብርኡ ዘለዋ ፃዕሪ ንምድጋፍ እዋን…

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ምድሓን ህይወት ደቂ ሰባት ከድህብ ኢዩ – ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ምድሓን ህይወት ደቂ ሰባትን ኣብ ምክልኻል ምቁፅፃርን ቫይረስ ኮሮና ከምዘድህብ ዋና ዳይሬክተር እቲ ውድብ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገሊፆም። ዶክተር ቴድሮስ፥ “ዝባኽን ሰዓት የለን” ክብሉ ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ትዊተር…

ኣብ ዓለም ቁፅሪ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ሰባት ካብ 2 ሚሊየን ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ መላእ ዓለም እናተላበደ ዝርከብ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሪ 2 ሚሊየን 23 ሺሕን 217 ሰባት ከምዝበፅሐ ተገሊፁ። 128 ሺህን 834 ሰባት ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ዝሕለፉ እንትኾኑ፥ 500 ሺሕን 996…

ዝተፈላለዩ ትካላትን ውልቀ ሰባትን ንምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ዝውዕል ልዕሊ ብር 2 ነጥቢ 3 ሚልዮን ኣበርኪቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ክልል ትግራይ ብዝገበሮ ፃውዒት መሰረት ዝተፈላለዩ ትካላትን ውልቀ ሰባትን ንምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ዝውዕል ልዕሊ ብር 2 ነጥቢ 3 ሚልዮን ገንዘባዊ ሓገዝ ገይሮም። ብመሰረት እዚ ሰራሕተኛታት ባንኪ ኣብሲንያ ዲስትሪክት መቐለ ብር ሓደ…

መንግስቲ ካብ ወፃኢ ኣብ ዘእትዎ ዘይቲ ብልዒ መስተኻኸሊ ዋጋ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ካብ ወፃኢ ኣብ ዘእትዎ ዘይቲ ብልዒ መስተኻኸሊ ዋጋ ምግባሩ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣፍሊጡ። ሚኒስትር ዲኤታ ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣይተ እሸቴ ኣስፋው፥ እቲ ዘይቲ ብልዒ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበረሉ ዋጋ ኣብ ሓደ ሊትሮ ብር 4ን 30…

ቻይና ሰብ ሞያታት ሕክምና ናብ ኢትዮጵያ ክትልእኽ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቻይና ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ሓገዝ ዝገብሩ ሰብ ሞያታት ሕክምና ክትልእኽ ኢያ። ቻይና ካብ ኢትዮጵያ ብተወሳኺ ናብ ቡርኪናፋሶ እውን ሰብ ሞያታት ሕክምና ክትልእኽ ኢያ ተባሂሉ። እቶም ሰብ ሞያታት ሕክምና ልምዶም…

ኢትዮ ቴሌኮም ካብ ዝህቦም ዓውዲታት ኣገልግሎት ካብ ፅባሕ ጀሚሩ መመሓየሺ ከምዝገብር ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ካብ ዝህቦም ዓውዲታት ኣገልግሎት ካብ ፅባሕ ጀሚሩ መመሓየሺ ከምዝገብር ኣፍሊጡ። ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ወይዘሪት ፍሬህይወት ታምሩ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፥ ዜጋታት ምንቅስቓሶም ተገዲቡ ኣብ ገዝኦም ንኽፀንሑ ብምግባር ዝርገሐ…

ዶላንድ ትራምፕ ኣሜሪካ ንውድብ ጥዕና ዓለም ትገብሮ ዝነበረት ሓገዝ ንኽተቋርፅ ውሳነ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣሜሪካ ንውድብ ጥዕና ዓለም ትገብሮ ዝነበረት ሓገዝ ንኽተቋርፅ ትእዛዝ ምምሕልላፎም ኣፍሊጦም። እቶም ፕሬዚዳንት፥ ምስ ዝርገሐ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ተተሓሒዙ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓለፍነቱ ብኣግባቡ ኣይተዋፀአን…

ኣብ ኢትዮጵያ ብባይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 3 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓት ምርመራ ላቦራቶሪ ካብ ዝተገበረሎም 431 ሰባት ብባይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ ሰለስተ ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ብቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ናብ 85 ክብ ክብል ክኢሉ…

ኮማንድ ፖስት መኸተ ቫይረስ ኮረና ክልል ትግራይ ኣብ ምቕራብ መሰረታዊ ሸቐጣትን ካልኦት ዓውዲታትን ዝተፈላለዩ ውሳነታት ወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮማንድ ፖስት መኸተ ኮረና ቫይረስ ክልል ትግራይ ኣብ ምቕራብ መሰረታዊ ሸቐጣት፣ ኣገልግሎት ሒዝካ ምኻድ (Takeaway)ን ምጥቃም መዐወኒ ሺሻ ንምኽልኻልን ዘኽእሉ ውሳነታት ወሲኑ ኣሎ። ኮማንድ ፖስት መኸተ ኮረና ቫይረስ ክልልና ኣብ ውሳነ ቑፅሪ…