Fana: At a Speed of Life!

ትፅቢት ዝግረሎም ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ድሕሪ ፀወታታት ኤፍኤ ካፕን ካራባኦ ካፕን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ ክምለስ ኢዩ። መሪሕ እቲ ሊግ ዝኾነት ሊቨርፑልን ኣብዚ ዓመት ዘደንቕ ምንቅስቓስ እናገበረት ትርከብ ኖቲንግሃም ፎረስትን ዘራኽብ ፀወታ ትፅቢት ዝግበረሉ ኢዩ። ኣብ ኣብ…

ዕዳ ኢትዮጵያን ምስ ጥሙር ሃገራዊ ሃፍቲ ዘለዎ ብፅሒት ክትሕት ክብል ምግባር ከምዝተኽኣለ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ለውጢ ዓመታት ብዝተወሰዱ ስጉምቲታት ዕዳ ኢትዮጵያ ምስ ጥሙር ሃገራዊ ፍርያት ዘለዎ ብፅሒት ናብ 13 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ክወርድ ምግባር ከምዝተኽኣለ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ገሊፀን። እተን ሚኒስትር ኣብ ውፅኢታት መመሓየሺ…

ኣዋጅ ታክስ ንብረት ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘካየዶ መበል 15 ስሩዕ ጉባኤ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝርከባ ከተማታት ተፈፃሚ ዝኸውን ኣዋጅ ትክስ ንብረት ብኣርባዕተ ተቓውሞ ብዓሰርተ ድምፀ ተኣቅቦን ብኣብዝሓ ድምፂን ኣፅዲቑ። ታክስ ንብረት ፍትሓዊ ክፍፍል ሃፍቲ ንምዕሳል፣…

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ መበል 41 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ። እቶም ውሳነታት ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቦም ኣለዉ፡- እቲ ቤት ምኽሪ ፈለማ ዝተዛተየ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ዓለም ለኸ…

ዓለም ለኸ ጉባኤ ምርምር ምልክት ቋንቋ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ንፈለማ እዋን ዝካየድ ዓለም ለኸ ጉባኤ ምርምር ምልክት ቋንቋ ተተኣናግድ ኣላ፡፡ እቲ ጉባኤ ሎሚ ዘበን እናተኻየደ ዝርከብ ንመበል 15 ግዘ ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡…

ኢኮኖሚ ብዘፈር ውልቀ ክምራሕ ብዝገብሩ ስጉምቲታት ዓወት ከምዝተመዝገበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢኮኖሚ ብዘፍ ውልቀ ክምራሕ ንምግባር ብዝተወሰዱ ስጉምቲታት ለውጢታት ከምዝመፅኡ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ማሞ ምህረቱ ገሊፆም፡፡ ኣይተ ማሞ ብሓላፊት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር እናተሰናደአ ኣብ ዝቐርብ ፕሮግራም ”ኢትዮጵያ ኢን…

ብኮንትሮባንድ ክሰኣን ዝነበረ ልዕሊ 107 ቢሊየን ብር ምድሓን ተኻኢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ቀዳማይ መንፈቕ ዓመት ብምጭብርባር ንግዲን ኮንትሮባንድ መንግስቲ ክስእኖ ዝነበረ ልዐሊ 107 ቢሊየን ብር ምድሓን ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ፡፡ ሚኒስቴር እቶትን ኮሚሽን ጉምሩኽን ገምጋም ኣፈፃፅማ ቀዳማይ መንፈቕ ዓመት በጀት ዓመት 2017 ኣካይዱ፡፡…

መንግስቲ ዴንማርክ ንልምዓት ኢትዮጵያ ምሕጋዝ ከምዝደሊ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ዴንማርክ ንልምዓት ኢትዮጵያ ምሕጋዝ ከምዝደሊ ኣፍሊጡ። ብልእልቲ እታ ሃገር ቤኔዲክቴ ኣስትሪድ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዑደት ብምግባር ምስ ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ዘተ ገይሩ። ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ብዛዕባ ዘሎ…

ብልዕሊ 57 ሚልዮን ብር ዝተሃነፀ ፕሮጀክት ቀረብ መስተ ማይ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብልዕሊ 57 ሚልዮን ብር ዝተሃነፀ ፕሮጀክት ቀረብ መስተ ማይ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ተመሪቑ። ኣብ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ኣብታ ከተማ ዝነበረ ፀገም መስተ ማይ ዝፈትሕ ዝፈትሕ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡ አብ ስነስርዓት ምረቓ እቲ ፕሮጀክት÷ ሚኒስትር ዲኤታ ማይን…

ብልዕሊ 30 ሚልየን ብር ዝተሃነፀ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕፅረት መምሀሪ ክፍሊ ንምቕራፍ ዓሊሙ ብግድስቲ ወገን ብልዕሊ 30 ሚልየን ብር ዝተሃነፀ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ህንፀቱ ብምዝዛም ሎሚ  ተመሪቑ። እቲ ካልኣይ ብርኪ ኣብ ወረዳ ዓድዋ ጣብያ ገንደብታ  ነባርነተን ኣብ ሕብራት መንግስትታት ኣሜሪካ…