Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ንኢትዮጵያ ሓገዝ ስርናይ ገይራ ዝብል ሓበሬታ ዝተሰሓሓተ ኢዩ።

ስኑዕ ሓበሬታ ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ጋምቤላ ተዓቒቦም ንዝርከቡ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን ንኽውዕል ፕሮግራም ምግቢ ዓለም (ደብሊዩኤፍፒ) ዝገበሮ ሓገዝ ንኢትዮጵያ ዝተገበረ ድጋፍ ብዝብል ስኑዕ ሓበሬታ እጋወሐ ይርከብ። መንግስቲ ሩሲያ…

ኢትዮጵያን ብራዚልን ኣብ ዓውዲ ግብርና ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ብራዚልን ኣብ ዓውዲ ግብርና ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን። ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ብራዚል ልኡልሰገድ ታደሰ መስ ሚኒስትር ማሕበራዊ ዕብየት፣ ደገፍ ስድራን ንከያ ድኽነትን ብራዚል ዌሊንግተን ዲያስ ዘቲዮም። ኣብቲ ዘተ፥…

ሽዱሽተ ንከባቢታት ሎስ ኣንጅለስ ዘንዱዱ ዘለው ሓዊታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 02 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከባቢታት ሎስ ኣንጅለስ ብሰንኪ ዝተላዕለ ሓደገኛ ባርዕ ጫካ ክሳብ ሐዚ 10 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ። ብተወሳኺ ብዙሓት ነበርቲ ካብቶም ከባቢታት ከወፅኡን ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ክእወጅን ምኽንያት ከምዝኾነ ተሓቢሩ። ፓሊሴድስ፣ ኢተን፣…

ትማሊ ምሸት ኣብ ደቡብን ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን ክፍሊታት ኣብ ሰማይ ዝተርኣየ ኣጋጣሚ

ኣዲስ ኣበባ፣ 02 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ስፔስ ሳይንስ ሶሳይቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ምሸት ከባቢ ሰዓት 1፡30 ኣብ ከባቢታት ደቡብን ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን ኣብ ሰማይ ዝተርኣዩ እናተቐፃፀሉ ብልዑል ቅልጣፈ እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ እኩባት ቁስ ኣካላት ከምዝተርኣዩ ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ኣብቶም…

መቐለ 70 እንደርታ ኣብ ልዕሊ ወልዋሎ ዓወት ኣመዝጊቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 13 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ መቐለ 70 እንደርታ ኣብ ልዕሊ ወልዋሎ ዩንቨርስቲ ዓዲግራት 1 ን 0 ተዓዊቱ። እታ ሸቶ፥ ኣዎት ኪዳኔ ኣብ 82 ደቒቓ ኣቑፂሩዋ። ኣብ ስታዲየም ዩንቨርስቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ይካየድ ኣብ ዘሎ…

መንግስቲ ምኽኒያታዊ ብዘይኮነ መገዲ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ፅዕንቶ ዝፈጥሩ ተግባራት እናተኸታተለ ስጉምቲ ክወሰድ ኢዩ-ለገሰ ቱሉ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ምኽኒያታዊ ብዘይኮነ መገዲ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ፅዕንቶ ዝፈጥሩ ተግባራት እናተኸታተለ ስጉምቲ ክወሰድ ኢዩ ክብሉ ሚኒስተር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ(ዶ/ር) ኣተሓሳሲቦም። እቶም ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ…

ኢግልድ 2 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም ፍሪያታት ናብ ዕዳጋ ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢግልድ 2 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም ፍሪያታት ናብ ዕዳጋ ኣቕሪቡ። ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ እቲ ትካል ወ/ሮ የሺመቤት ነጋሽ ንፋና ዲጂታል ከምዝበልኡ፥ መንግስቲ ቀዳምነት ኣብ ዝሃቦም ዓውዲታት ንዝተዋፈሩ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ጥረ ኣቕሓን…

ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ድህረ-ማላቦ ሲኤኤዲፒ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ድህረ-ማላቦ ሓፈሻዊ ፕሮግራም ልምዓት ግብርና ኣፍሪካ(ሲኤኤዲፒ) ኣብ ኡጋንዳ ካምፓላ ይሳለጥ ኣሎ። እቲ ጉባኤ፥ “ምስጓም ኩለ መዳይ ሽግግር ስርዓት ግብርና ንዘላቒ ኢኮኖሚያዊ ዕብየትን ሓበራዊ ምዕባለን” ብዝብል መሪሕ…

ኣብ ትግራይ ናብ ልምዓት ኣብ ልዕሊ ዘይኣዉ ሰብ ሃፍቲ ስጉምቲ ተወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ኢንቨስትመንት ግብርና ንምውፋር መሬት ወሲዶም ናብ ልምዓት ኣብ ልዕሊ ዘይኣተዉ 24 ሰብ ሃፍቲ ስጉምቲ ተወሲዱ።   ሓላፊ ቢሮ መሬትን ዕደናን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ካልአዩ…

ኣብ ትግራይ  ኣብ እዋን ሓጋይ ኣብ 60 ሺሕ ሄ/ር መሬት ዕቀባ ሓመድን ማይን ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዝግበር ዕቀባ ሓመድን ማይን ሎሚ ዘበን እውን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ። ሓላፊ እቲ ቢሮ እያሱ ኣብርሃ(ዶ/ር)፥ ስራሕቲ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣብ ወርሒ ጥሪ መወዳእታ…