ስፓርት
ሉሲታ ንቻድ መዘነኦም ኣብ መልሲ ፀወታ ስዒረን
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ንቻድ መዘነኣ ብመልሲ ፀወታ 4 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ፡፡
ኣብ ቀዳማይ መፃረዪ ፀወታ ኦሎምፒክ 2024 ደቂ ኣንስትዮ ኩዕሾ እግሪ÷ ሃገራዊት ጋንታ ደቂኣንስትዮ ኢትዮጵያ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ቻድ ፀወታ ኣካይዳ 6 ን 0 ብዝኾነ ሰፊሕ ውፅኢት ምስዓራ ይፍለጥ፡፡
ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ናይ መልሲ ፀወታ ድማ ኢትዮጵያ 4 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ተኣዊታ፡፡
እተን ሽቶታት÷ ሎዛ ኣበራ ሴናፍ ዋቁማ ክልተ ሸቶታትን ቱሪስት ለማን ኣመዝጊበንአን፡፡…
Read More...
መስኮት ዝውውር ተፃወትቲ ፕሪሜር ሊግ ኢትዮጵያ ካብ ዝቕፅል 8 ሓምለ ክኽፈት ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መስኮት ዝውውር ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ተፃወትቲ ፕሪሜር ሊግ ኢትዮጵያ ካብ ዝቕፅል 8 ሓምለ ጀሚሩ ከምዝኽፈት ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቲ መስኮት ዝውውር ካብ 8 ክሳብ 25 ሓምለ 2016 ዓ.ም ከምዝፀን ተገሊፁ፡፡
ሕጋውነት ዝውውር ተፃወትቲ ዝፀድቕ እውን ኣብ ቤት ፅሕፈት ፌደሬሽን ኩዕሾ እግሪ…
ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ ምትእንጋድ ከምዝጅምር ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ ምትእንጋድ ከምዝጅምር ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ገሊፁ።
ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ቀጄላ መርዳሳ ከይዲ ህንፀት እቲ ስታዲየም ርእዮም።
እቶም ሚኒስትር፥ ኣብ 2013 ዓ.ም ሕድሳቱ ዝጀመረ እቲ ስታዲየም ካልኣይ ምዕራፍ ህንፀቱ ኣብ ቀረባ እዋቀን ከምዝዛም…
ማሰን ማውንት ብዕሊ ናብ ማንቼስተር ዩናይትድን ተፀምቢሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ማንቼስተር ዩናይትድ ንእንግሊዛዊ ተፃዋቲ ክፍሊ ምክፍፋል ማሰን ማውንትን ብዕሊ ኣፈሪማቶ፡፡
ላንክሻየራዊት ጋንታ ማንቸስተር ዩናይትድ÷ ንማሰን ማውንት ብሓሙሽተ ዓመት ኮንትራት ኢያ ኣፈሪማቶ፡፡
ንዝውውር እቲ ተፃዋቲ 60 ሚሊየን ፓውንድ ወፃኢ ከምገበረት ቢ ቢ ሲ ፀብፂቡ፡፡
ማውንት ኣብ ቼልሲ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት…
ኣብ ስቶኮልም ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ዳይመንድ ሊግ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ተዓዊቶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሲዊዲን ስቶኮልም ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ዳይመንድ ሊግ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ብዝተፈላለየ ርሕቐት ተዓዊቶም።
7ይ ዙር ውድድር ጉያ ዳይመንድ ሊግ 2023 ኣብ ስቶኮልም ዝተኻየደ እንትኸውን÷ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያዊን ኣትሌታት ተኸታቲለን ብምእታው ተዓዊተን።
ኣብቲ ውድድር ኣትሌት ፍሬወይኒ ሃይሉ…
ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ሻምፒዮን ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2015 ዓ.ም ኮይና
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ሓደ ፀወታ እናተረፋ ሻምፒዮን ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2015 ዓ.ም ምዃና ኣረጋጊፃ።
ሎሚ መዓልቲ ቅዱስ ጊዮርጊስን ምስ ሃድያ ሆሳዕና ዘራኸበ መበል 29 ሰሙን ፀወታ÷ 9፡00 ሰዓት ኣብ ስታዲየም ዩንቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ተኻይዱ፡፡
ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ…
ጋንታ ኣርሰናል እንግሊዛዊ ተፃዋቲ ክፍሊ ምክፍፋል ዲክላን ራይስ ንምፍራም ምስ ዌስትሃም ተስማዕሚዓ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ኣርሰናል እንግሊዛዊ ተፃዋቲ ክፍሊ ምክፍፋል ዲክላን ራይስ ክብረ ወሰን እታ ጋንታ ብዝኾነ ዋጋ ንምፍራም ምስ ጋንታ ዌስትሃም ዩናይትድ ተስማዕሚዓ።
ኣርሰናል ንወዲ 24 ዓመት ተፃዋቲ ንምዝውዋር 100 ሚሊየን ፓውንድ ክፍሊት ከምኡ እውን ተወሳኺ 5 ሚሊየን ፓውንድ ውፅኢት እናተርኣየ ዝኽፈል ወፃኢ ክትገብር ኢያ፡፡
እታ…