ልምዓት ኮሪደር፡ ሓድሽ ዕድል ስራሕ፣ ንግዲን ኢንቨስትመንትን
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓሳት ምዕባይ፣ ዕድላት ስራሕ ምፍጣር፣ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ምምሕያሽን ንነበርቲ ምቹው ከባቢ መነባብሮ ምፍጣርን ዘጠቓልል ልምዓት ከተማ፣ ከተማታት ኢትዮጵያ ንመነባብሮ፣ ንንግዲን ንኢንቨስትመንትን ዝምቹዋ ንክኾና ዝዓለመ ፃዕሪ ይካየድ ኣሎ።
ብፍላይ ኣብ መዲና ኣዲስ ኣበባ ይካየዱ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር፣ ነታ ከተማ ምስ ዝናኣን ደረጃኣን ዝሰማማዕ ስራሕ እዩ።
መንግስቲ መደመር ትኹረት ካብ ዝሃቦም ዓውድታት ልምዓት ሓደ ዝኾነ ልምዓት ኮሪደር ህንፀት ከተማ፣ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት፣ ምስፋሕ ንግዲ፣ ህንፀት መንበሪን መዘናግዒን ቦታታትን፣ ከምኡ እውን ምጥንኻር ትካላት ብዝተዋደደ መንገዲ ዝትግበር እዩ።
ትማሊ በቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተመረቐ ተወሳኺ ግርማ እታ ከተማ ዝኾነ ስራሕ ልምዓት 57 ሄክታር መሬት ዝሽፍን ኮይኑ፤ 17 ኪሎ ሜትሮ መገዲ መኻይን፣ 34 ኪሎ ሜትሮ መገዲ እግረኛታትን 8 ኪሎ ሜትሮ መገዲ ብሽክሌታን ህንፀት ዘጠቓለለ እዩ።
ሰለስተ መሳገሪ ድልድላት ተሽከርከርትን እግረኛታትን፣ 5 ሺሕን 880 መሓይን ብሓደ ግዘ ከቐምጡ ዝኽእሉ ቦታታት መዕረፊ መኻይን፣ 150 ኻልኢ ሓይሊ ኤሌክትሪክ መኻይንን 13 መዕረፊ ታክሲታትን ኣውቶቡሳትን እውን ኣካል እቲ ፕሮጀክት እዮም።
እዞም መሰረተ ልምዓታት እዚኦም ምጭንናቕ ትራፊክ ንምንካይ፣ ድሕንነት እግረኛታትን ተጠቀምቲ ብሽክሌታን ንምርግጋፅ፣ ህዝባዊ ትራንስፖርት ንምቅልጣፍን ስርዓት ትራንስፖርት እታ ከተማ ብዝበለፀ ተበፃሒ ንምግባርን ይሕግዙ።
ጣቢያታት መምልኢ ሓይሊ ኤሌክትሪክ መኻይን ምስፍሕፋሕ ድማ እታ ሃገር ንፁህ ሓይሊ ናብ ዝጥቀም ስርዓት ትራንሰፖርት ንክትሰጋገር ብምትብባዕ ብከላ ኣየርን ምልቃቕ ካርቦንን ንምንካይ ዓብዪ ኣበርክቶ ክህልዎ እዩ።
ኣብ ልዕሊ መሬት ካብ ዝተወገኑ ስራሕቲ ብተወሳኺ 17 ኪሎ ሜትሮ መስመራት መወገዲ ፈሳሲን ውሕጅን፣ መስመራት መስተ ማይ፣ ኤሌክትሪክ፣ ስርዓት ኢንተለጀንት ዘለዎ ቴሌኮምን ትራንስፖርት (ITS)ን ተዘርጊሖም እዮም።
እዚ ብዝተዋደደ መንገዲ ዝተኻየደ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት፣ ዓቕሚ ኣገልግሎታት ማይ፣ ሓይሊን ርክብን እታ ከተማ ካብ ምዕባይ ብተወሳኺ፤ ሓደጋ ውሕጅን ብከላ ከባቢን ንምንካይ ይሕግዝ። ዘበናዊ ቴክኖሎጂታት ሓበሬታን ትራንስፖርትን ምጥቃም እውን ኣገልግሎታት ዝያዳ ብቕልጡፍን ብብቕዓትን ንኽወሃቡ የኽእል።
እቲ ፕሮጀክት ካብ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ብተወሳኺ ንኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓሳት ምቹው ኩነታት ዝፈጥሩ ትካላት ንግዲን ኣገልግሎትን እውን ዘጠቓልል እዩ። ኣብቲ ፕሮጀክት ዝርከቡ 91 ህንፃታት ንግዲ፣ 3 ሺሕን 116ን ድኳናት ንግዲ፣ 33 ካፍቴሪያታትን 20 ሬስቶራንትን፣ ምንቅስቓሳት ንግዲን ንምስፋሕ፣ ንኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ነጋዶ ምቹው ኩነታት ንምፍጣርን ምትእስሳር ዕዳጋ ንምጥንኻርን የኽእሉ።
ኣብቲ ኮሪደር 2 ኣቢያተ መፃሕፍቲ፣ 7 መፃወቲ ቦታታት ቆልዑ፣ ሜዳ መዘውተሪ ስፖርትን ጂምናዝየማትን፣ 7 መንጫዕጫዕታትን ፋውንቴናትን፣ 5 ናይ ህዝቢ መዘናግዒ ቦታታትን ፕላዛታትን፣ ከምኡ እውን ሓምለዋይ ቦታታትን ናይ ህዝቢ መናፅሂን ተሃኒፆም እዮም። እዞም መሰረተ ልምዓት ማሕበራዊ ምትእስሳር ሕብረተሰብ ዘጠናኽሩ እዮም።
ከምዚ ዓይነት ሰፊሕን ዝተዋደደን ልምዓት ከተማ፣ ንኢኮኖሚያዊ ኣበርክቶ ከተማታት ካብ ምጥንኻር ብተወሳኺ፣ ሓፈሻዊ ዓቕሚ ልምዓት ሃገር ንምዕባይ መሰረት ይኸውን።
በዚ ድማ ከተማታት ቀንዲ ማእኸላት ስራሕ፣ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን ማሕበራዊ ናብራን ብምዃን ኣብ ዘላቒ ምዕባለ ኢትዮጵያ ዘለወን ግደ የጠናኽሩ።
ብምሕረት ደምሴ