ሓንቲ ኣደ ኣርባዕተ ህፃናት ብሰላም ተገላጊላ
ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 24፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዞባ ጎፋ ሳውላ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ሓንቲ ኣደ ኣብ ሓደ ግዜ ኣርባዕተ ህፃናት ብሰላም ተገላጊላ።
እታ ኣደን እቶም ኣርባዕተ ህፃናትን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ጥዕና ከምዘለዉ ተገሊፁ።
ስፔሻሊስት ሓኪም ማህፀንን ፅንስን ዶ/ር ግላንደ ጊሎ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብቲ ሆስፒታል ኣብ ሓደ ግዜ ክልተን ሰለስተን ህፃናት ምውላድ ዝተለመደ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ሓደ ወሊድ ንኣርባዕተ ህፃናት ብሰላም ምውላድ ምኽኣል ግን ኣብቲ ሆስፒታል ንፈለማ እዋን እዩ።
ኣብቲ ሆስፒታል ግቡእ ምርመራ ምስተገብረላ ድማ ንተኸታታሊ ሓሙሽተ መዓልታት ብቐረባ ክትከታተል ድሕሪ ምፅናሕ ንኣርባዕቲኦም ህፃናት ብሰላም ከምዝተገላገለት ገሊፆም ክብል ኮሙኒኬሽን ቢሮ እቲ ዞባ ኣብ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡