ሕፁያት ብሉፅ ተፃዋታይ ማሕበር ፕሮፌሽናል ተፃወትቲ ኩዕሶ እግሪ ዕላዊ ኮይኑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ውድድር ዓመት ስፖርት 2025/26 ሕፁያት ብሉፅ ተፃዋታይ ማሕበር ፕሮፌሽናል ተፃወትቲ ኩዕሶ እግሪ ዕላዊ ኮይኑ።
ኣርሰናል ብሰለስተ ተፃወትቲ ተሓፅዮም ኣብ ቅድሚት ትርከብ እንትትኾን፤ ጋብሬል ማጋሌሽ፣ ዴቪድ ራያን ዴክላን ራይስን ተሓፅዮም ኣለዉ።
ተከላካላይ መድፍዕተኛታት ዴቪድ ራያ ኣብቲ ውድድር ዓመተ ስፖርት 19 ፅሩይ ሸቶታት ድሕሪ ምዕቃቡ ሽልማት ወርቃዊ ጓንቲ ተዓዊቱ።
ጋብሬል ማጋሌሽን ዴክላን ራይስን ካብቶም ኣርሰናል ንፅዋዕ ፕሪምየር ሊግ ዝለዓለ ኣበርክቶ ዝገበሩ ተፃወትቲ ኢዮ።
ብሉፅ ተፃዋታይ ፕሪምየርሊግ ዝተዓወተ ኣከፋፋሊ ማንቼስተር ዩናይትድ ብሩኖ ፈርናንዴዝ ካልእ ኣብ ሓፂር ዝርዝር ዘሎ ተፃዋታይ ኢዩ።