Fana: At a Speed of Life!

መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ንኢትዮጵያዊ መንነት ብሓባር እነማዕብለሉ ዓብዩ ሃገራዊ ዕለት እዩ – ፕሬዚዳንት ታዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ንህብረ ብሄራዊ ኢትዮጵያዊ መንነት ብሓባር እነማዕብለሉ ዓብዩ ሃገራዊ ዕለት እዩ ኢሎም ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ፡፡

“ሰንደቕ ዕላማና ንሃገራዊ ምርድዳእን ንሓድነትናን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ክኽበር ዝጀመረ መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ብዕሊ ኣጀሚሮምዎ።

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ነፍሲ ወከፍ ኢትዮጵያዊ ኣብ ልቡ ንሃገሩ ዘለዎ ፍቕሪ፣ ክብሪን ቃል ኪዳንን ዝሕድሰሉ መዓልቲ እዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ ንብዙሕነታዊ ኢትዮጵያዊ መንነት ብሓባር እነማዕብለሉ ዓብዩ ሃገራዊ ዕለት ምዃኑ ኣረዲኦም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.