ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ምስ ኣቦ ወንበር ጉጀለ ኣብ ዕቤት ዝርከባ ሃገራት ተዛትዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ተመራፂ ፕሬዚዳንት COP32ን ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ምስ ኣቦ ወንበር ጉጀለ ኣብ ዕቤት ዝርከባ ሃገራት ኣምባሳደር ቲሞር-ሌስቴ ኣዳኦ ሶኣሬስ ባርቦሳ ተዛትዮም።
እቲ ዘተ ኣብ ጎኒ ጉባኤ COP31 ኣብ ፓቪልዮን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኮይኑ ብቐንዱ ኣብ ቀዳምነታት ጉዳያት ኣብ ዕቤት ዝርከባ ሃገራት ንጉባኤ COP32 ዝግበሩ ምድላዋትን ዘተኮረ እዩ።
ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ ኣብ ከይዲ ምድላው ንCOP32 ምስ ኣባላት ጉጀለ ኣብ ዕቤት ዝርከባ ሃገራት ብቐረባ ንምስራሕ ዘለዋ ቆራፅነት ኣረጋጊፆም።
#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዩህዝቢ #ዓብዩራኢ #COP32_ኢትዮጵያ #fanamediacorporation