ሰሜን ኮርያ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ን4ይ ግዜ ባሊስቲክ ሚሳይል ኣወንጪፋ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሰሜን ኮርያ ሎሚ መዓልቲ ሓያሎ ናይ ሓፂር ርሕቀት ባሊስቲክ ሚሳይላት ናብ ምስራቕ ባሕሪ ኣወንጪፋ።
ሎሚ ፕዮንግያንግ ዘካየደቶ ናይ ሚሳኤል ፈተነ ድሕሪ 2026 ንሻብዓይ ግዜ እንትኾን፤ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ድማ ንራብዓይ ግዜ እዩ።
ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከብ ከባቢ ሲንፎ ዝተወንጨፉ ናይ ሓፂር ርሕቀት ባሊስቲክ ሚሳይላት 140 ኪሎሜትር ወይም 87 ማይልስ ከምዝተጓዕዙ ተገሊፁ።
ሰራዊት ደቡብ ኮርያ፤ ሰሜን ኮርያ ስሩዕ ምውንጫፍ ባሊስቲክ ሚሳይላት ብቐረባ ይከታተሎ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ብፕዮንግያንግ ንዝኾነ ይኹን ምልዕዓል ምላሽ ንምሃብ ድሉው ምዃኑ እውን ገሊፁ።
ሚኒስቴር ምክልኻል ጃፓን ሰሜን ኮርያ ዝተወንጨፈቶ ሚሳይላት ኣብ ጥቓ ፍሉይ ቁጠባዊ ዞባ እታ ሃገር ዝኾነ ጉድኣት ከየብፅሑ ከምዝዓለቡ ኣናዶሉ ፀብፂቡ።
ብመላኩ ገድፍ