Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ኣብ ቴክዮ ማራቶን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝበረታታዕ ውፅኢት ኣመዝጊቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቴክዮ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ማራቶን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝበረታታዕ ውፅኢት ኣመዝጊቦም። ብደቂ ተባዕትዮ ታምራት ቶላ ብ2 ሰዓት 2 ደቒቓን 14 ሰከንድን ብምእታው ኣብቲ ውድድር ሳልሳይ ደረጃ ብመሓዝ ውድድሩ እንትዛዝም፥ ሹራ ቂጣታ 5ይ ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ዛዚሙ፡፡ ኣብቲ ውድድር ኪኒያዊው ኤሉድ ኪፕቾጌ 2 ሰዓት 2 ደቂቃን 40 ሰከንድን ብምእታው ቀዳማይ ብምውፃእ ተዓዊቱ፡፡ ብደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር እሸቴ በከሪ ብ2 ሰዓት 17 ደቂቃን 58 ሰከንድን ብምእታው ካልኣይ…
Read More...

ኣትሌት የኣለምዘርፍ የኋላው ኣብ ስፔን ብዝተኻሄደ ውድድር ጉያ 10 ኪሎ ሜትር ሓዱሽ ክብረ ወሰን ኣመዝጊባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት የኣለምዘርፍ የኋላው ኣብ ስፔን ላ ፕላና ብዝተኻሄደ ውድድር ጉያ ጎዳና 10 ኪሎ ሜትር ሓዱሽ ክብረ ወሰን ኣመዝጊባ። እታ ኣትሌት 29:14 ብዝኸነ ሰዓት ብምእታው ኢያ ሓዱሽ ወሰን ኣመዝጊባ ዘላ፡፡ ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦ ቴሌግራም…

ትማሊ ኣብ ፓላንድ ቱራን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ኣብ ፓላንድ ቱራን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ውሽጢ ገዛ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ካልኣይ ክብረ ወሰን ዓለም ብዝኾ ውፅኢት ተዓዊታ። ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ ናይ ትማሊ ውድድራ ባዕላ ካብ ዝሓዘቶ ክብረወሰን ዓለም ብክልተ ሰኮንድ ትሕት ኢላ 3፡54.77 ብዝኾነ ውፅኢት ኢያ ቀዳማይቲ ወፂኣ። ኣብቲ…

ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ጉያ ስግረ ዶብን ጎደናን ኢ/ውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ጉያ ስግረ ዶብን ጎደናን ከምኡ እውን ኣብ ስፔን ከተማ ሲቪያ ብዝተገበረ ውድድር ማራቶን ብክልቲኡ ፆታ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም። ኣብ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ሲቪያ ብደቂ ተባዕትዮ ኣስራር ሃይረዲን ተዓዋቲ ኮይኑ፡፡ ኣብቲ ውድድር፥ ኣደላድለው ማሞ…

ኣብ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ራስ ኣል ካምሃ ኣትሌት ግርማዊት ገ/እግዚአብሄር ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ራስ ኣል ካምሃ ኣትሌት ግርማዊት ገ/እግዚአብሄር ተዓዊታ። ኣትሌት ግርማዊት ገ/እግዚአብሄር 1:04:14 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ኢያ ተዓዊታ። ኣብቲ ውድድር ኣትሌት ቦሰና ሙላቴ 1:05.46 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ነቲ ውድድር ሓምሻይ ደረጃ ብምሓዝ ከምዝዛዘመቶ ካብ ፌዴሬሽን…

ፀወታታት ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ እንትቕፅሉ ጋንታታት ቅዱስ ጊዮርጊስ ምስ ሃዲያ ሆሳእና ክፃወታ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)መበል 13 ሰሙን ፀወታታት ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ እንትቕፅሉ ጋንታታት ቅዱስ ጊዮርጊስ ምስ ሃዲያ ሆሳእና ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ። ክሳብ ሕዚ ብዝተገበሩ ፀወታታት ስዕረት ዘየጋጠማ ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ደረጃኣ ንምሕላውን ካብ ተኸተልታ ሃዋሳ ከተማን ፋሲል ከተማን ዘለዋ ነጥቢ ንምስፋሕ ናብ ሜዳ…

ንኢንተርናሽናል ዳኛ በኣምላክ ተሰማ ኣቀባብላ ተገይሩሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 33 ፅዋዕ ኣፍሪካ ዝተፈላለዩ ፀወታታት ዋና ዳይና ኮይኑ ዝመርሕ ኢንተርናሽናል ዳኛ በኣምላክ ተሰማ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ፎዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣቀባብላ ገይሩሉ። በኣምላክ ተሰማ ኣብቲ ውድድር ፅዋዕ ኣፍሪካ ዋና ዳይናን ሓጋዚ ዳይናን ኮይኑ ፀወታታት ዝመርሐ እንትኸውን፥ ብፍላይ ኣብ…