Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ላሚን ያማል ካብ ውድድር እዚ ዓመት ወፃኢ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ስፔናዊ ኣጥቃዓይ ባርሴሎና ላሚን ያማል ካብ ውድድር እዚ ዓመት ወፃኢ ኮይኑ፡፡ ትማሊ ምሸት ባርሴሎና ሴልታ ቪጎ ኣብ ዝሰዓረትሉ ግጥም ላሚን ያማል ብዘጋጠሞ መጉዳእቲ ተቐይሩ ምውፅኡ ይፍለጥ። በዙይ እውን እቲ ተፃዋታይ ቀፃሊ ፀወታታት ወፃኢ ምዃኑ ክለቡ ኣፍሊጡ። ወዲ 18 ዓመት ተፃዋቲ ባርሴሎና ክለቡ ኣብ ዝገበሮም ውድድራቱ ኣብ 40 ፀወታታት 24 ሸቶታት ኣመዝጊቡ። ስፔናዊ ተፃዋታይ ላሚን ያማል ናብ ዋንጫ ዓለም ክበፅሕ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።
Read More...

ቼልሲ ንኣሰልጣኒ ሊያም ሮሴኒየር ኣሰናቢታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ጋንታ ምዕራብ ለንደን ቼልሲ ንኣሰልጣኒ ሊያም ሮሴኒየርን ካብ ሓላፍነቱ ኣሰናቢተቶ፡፡ እታ ጋንታ ነቲ ኣሰልጣኒ ዘሰናበተተቶ ድሕሪ 114 ዓመት ንፈለማ እዋን ምንም ሸቶ እንተየመዝገበት ሓሙሽተ ተኸታተልቲ ፀወታታት ስዕረት ምትእንጋዳ ስዒቡ ኢዩ፡፡ ካብ ፈረንሳዊት ጋንታ ስትራስቡርግ ኣብ ወርሒ ጥሪ ስምምዕነት ኮንትራት…

ቼልሲ ድሕሪ ኣርባዕተ ተኸታታሊ ፀወታ ስዕረት ናብ ዓወት ንምምላስ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 34 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ቼልሲ ካብ ሜዳኣ ወፃእ ብምጉዓዝ ምሸት ሰዓት 4 ንብራይተን ክትገጥም ኢያ፡፡ ኣብቲ ሊግ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ተኸታተልቲ ፀወታታተ ስዕረት ዘተኣናገደት ቼልሲ ናብ ዓወት ንምምላስ ናብ ሜዳ ክትኣቱ ኢያ፡፡ ድሕሪ ሰለስተ ተኸታተልቲ ፀወታታት ዓወት ኣብ መወዳእታ እዚ…

ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መበል 29 ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ሚኒስትር ዲኤታ ባህልን ስፖርትን መኪዩ መሓመድ ሓዱሽ ፈፃሚ ስራሕ ፌዴሬሽን ኣብ ሓደ ዓመት ብዙሕ ስራሕቲ ከምዘካየደ ኣረዲኦም። እቲ ፌዴሬሽን ምስ…

ማንቼስተር ሲቲ ምስ ኣርሰናል -ኣብዚ ሰሙን ትፅቢት ዝግበር ግጥም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ መበል 33 ሰሙን ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ማንቼስተር ሲቲ ንመሪሕ ሊግ ኣርሰናል ኣብ ስታድዩም ኢትሃድ ምሸት ሰዓት 12፡30 ክተተአንግድ እያ። ኣብቲ ደረጃ ሊግ 1ይን 2ይን ደረጃ ዝተቐመጣ ጋንታታት ዝካየድ ፀወታ ናይዚ ሰሙን ትፅቢት ዝግበር መርሃ ግብሪ ኢዩ። ማንቼስተር ሲቲ ምስ መራሒት ሊግ…

ኢትዮጵያ ኣብ ኣትሌቲክስ ዓለም ደረጃ ወርቂ ዝወሃቦ ዓለም ለኸ ውድድር ንኽተሰናድእ ተሓሪያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ኣትሌቲክስ ዓለም ደረጃ ወርቂ ዝወሃቦ ዓለም ለኸ ውድድር ንኽተሰናድእ ተሓሪያ። ኢትዮጵያ ኣብ 2027 ዝካየድ ደረጃ ወርቂ ዘለዎ ዓለም ለኸ ውድድር ንኽተሰናድእ ኢያ ተመሪፃ ዘላ። ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያ ነቲ ውድድር ክተሰናድእ ዝወሰነላ ደረጃ ነሓስ ዘለዎ ንፈለማ እዋን ውድድር ግራንድ ፕሪ ኣብ ኣዲስ…

መቐለ 70 እንደርታ ንፋሲል ከነማ ብምስዓር ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 28 ሰሙን ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ መቐለ 70 እንደርታ ንፋሲል ከነማ 3 ን 0 ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ። ቀትሪ ሰዓት 9 ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ፤ መቐለ 70 እንደርታን ዝተዓወተትለን ሸቶታት ቦና ኣሊ (2)ን ሚሊዮን ወልዴን ኣመዝጊቦምወን። ፀወታ እቲ ሊግ ቀፂሉ እንትካየድ…