Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ማንቼስተር ዩናይትድ ውዕሊ ኦዲዮን ኢጋሎ ኣናዊሓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ማንቼስተር ዩናይትድ ናይ ናይጀሪያዊ ተፃዋታይ ኦዲዮን ኢጋሎን ውዕሊ ንተወሰኽቲ ኣዋርሕ ምንዋሓ ኣፍሊጣ። እታ ጋንታ ነቲ ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ክሳብ መፃኢ ወርሒ ጥሪ ንኽተፅነሖ ኣብ ስምምዕ ከምዝበፅሕት ገሊፃ ኣላ። እቲ ተፃዋቲ ኣብ ማንቸስተር ዩናይትድ ዝነበሮ ውዕሊ ትማሊ ተዛዚሙ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ናብ ጋንታ ማንቼስተር ዝተፀምበረ ኢጋሎ፥ ኣብ 8 ፀወታታት 4 ሽቶታት ከቑፅር ክኢሉ ኢዩ። ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ፀቛሪፁ ዝፀንሐ ፕሪሚየር ሊግ…
Read More...

ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ 10 ሰነ ናብ ውድድር ክምለስ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጉነበት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ተቛሪፁ ዝነበረ ፀወታ ኩዕሶ እግሪ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ 10 ሰነ 2012 ዓ.ም ናብ ውድድር ከምዝምለስ ተገሊፁ። እቲ ሊግ ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ምስ ኣርሰናልን ከምኡ እውን ኣስቶንቪላ ምስ ሼፍልድ ዩናይትድ ብዝገብሩዎም ተመዓራረይቲ ፀወታታት ከምዝጅመር ተፈሊጡ። ካብ 12 ክሳብ 14 ሰነ ድማ…

ነበር ተፃዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያን ቅዱስ ጊዮርጊስን ተስፋየ ኡርጌቾ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ተፃዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያን ቅዱስ ጊዮርጊስን ተስፋየ ኡርጌቾ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ። ካብ ዝነብረሉ ሃገረ ኣሜሪካ ንዕረፍቲ ናብ ኢትዮጵያ መፂኡ ዝነበረ ተስፋዬ፥ ብዘጋጠሞ ሃንደበታዊ ሕማም ሕክምና እናተኸታተለ ምፅንሑ ካብ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ፋና ብሮድካስቲንግ…

ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኩሎም ውድድራት ሊግ ዓመተ 2012 ከምዝተሰረዙ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኩሎም ውድድራት ሊግ ዓመተ 2012 ከምዝተሰረዙ ኣፍሊጡ። ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ እቲ ፌዴሬሽን ከምዝበሎ፥ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ምህላዋ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ለበዳ መዓዝ ኣብ ቁፅፅር ከምዝውዕልን እቶም ውድድራት መዓዝ ከምዝግበሩን ምፍላጥ ስለ ዘይከኣል ኢዩ ውሳነ ተዋሂቡ።…

ካልኣይ ምዕራፍ ህንፀት ብሄራዊ ስታዲየም ንምጅማር ዘኽእል ስነ-ስርዓት ፌርማ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ ምዕራፍ ህንፀት ብሄራዊ ስታዲየም ንምጅማር ዘኽእል ስነ-ስርዓት ፌርማ ተሳሊጡ። ስራሕቲ ተቛራፃይነት ብኮርፖሬሽን ስቴት ኮንስትራክሽን ኢንጅነሪንግ ቻይና፤ ኤም ኤች ኢንጅነሪንግ ድማ ብኣማኻሪነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ገርጂ ዝህነፅ ዘሎ ብሄራ ስታዲም ኣብ ክልተ ምዕራፋት ተኸፊሉ እናተሃነፀ ይርከብ።…

ኣትሌት ብርሃኑ ፀጉ ንኣርባዕተ ዓመታት ካብ ውድድር ተኣጊዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ብርሃኑ ፀጉ ዝተኸልከለ ቅመም ከምዝተጠቐመ ብምርግጋፁ ንኣርባዕተ ዓመታት ካብ ውድድር ከምዝተኣገደ ተገሊፁ። እቲ ኣትሌት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ዴንማርክ ኮፐንሃገን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን “እቲ ቀመም ተጠቒሙ ኢዩ” ተባሂሉ ብምጥርጣሩ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ መርመራ ክግበረሉ ከምዝፀንሐ ይዝከር።…

ሻምፒዮና ፅዋዕ ኣውሮፓ 2020 ንሓደ ዓመት ተናዊሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብዚ ዓመት ክካየድ ተሓሲቡሉ ዝነበረ ሻምፒዮና ፅዋዕ ኩዕሶ እግሪ ኣውሮፓ 2020 ንሓደ ዓመት ንኽናዋሕ ተወሲኑ። እቲ ሻምፒዮና ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ ሰነ 2020 ጀሚሩ ንሓደ ወርሒ ንኽካየድ መርሃግብሪ ወፂኡሉ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ይኹን እምበር እተ ሻምፒዮና ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ንሓደ ዓመት ንኽናዋሕ ማሕበር…