Fana: At a Speed of Life!

ቀይሕ መስመር ብሄራዊ ረብሓና

ናይ ዝኾነት ሃገር መሰረትን ናይ ህልውና ውሕስናን ዝኾነ ብሄራዊ ረብሓ ልዕሊ ዝኾነ ድርድርን ስምምዕነት ጠጠው ዝብል ቀይሕ መስመር እዩ፡፡

ሉኣላዊነት፣ ግዝኣታዊ ሓድነት፣ ድሕንነት ህዝቢን ስልታዊ ሃፍቲታትን ምሕላው ሃገራት ብዝኾነ ይኹን ኩነታት ኣሕሊፈን ዘይህበኦም ወሰንቲ ጉዳያት ኢዮም፡፡

ሃገራት ብሄራዊ ረብሐአን ንምሕላው ኣድለይቲ ዝኾኑ ጉዳያት ብምፍላይ ብትኹረት ይሰርሓ። በዚ ድማ ዝቖሙሉ ፅኑዕ መሰረት እናጠናኸሩን እናሓዉን ይኸዱ።

ድሕንነት ማይ፣ ኣጀንዳ በሪ ባሕሪን ብሄራዊ ምርድዳእን ካብ መሕለዊን መጠናኸሪን መሰረታት ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ብዋናነት ይፅርሑ።

ካብ ሞንጎ እዞም ጉዳያት ካብ ሉኣላዊነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን፣ ድሕንነትን ህልውናን ህዝቢ፣ ስልታዊን ሃፍቲ ተፈጥሮን፣ ብሄራዊ ክብሪን ታሪኽን ተኣሳሲሮም ሃገራዊ ምዕባለ ጋህዲ ንምግባር ወሰንቲ እዮም።

ናብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ንምውፃእን ኢኮኖሚያዊ ድሕንነት ንምሕላውን ስልታዊ በሪ ባሕሪታት ምርካብ ንኢትዮጵያ ጉዳይ ህልውና ኢዩ።

መስመር ቀይሕ ባሕሪ ንንግዲ ዓለም ወሳኒ ብምዃኑ፣ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዘለዋ ሃገራትን ዓለም ለኸ ሓይሊታትን ድሕንንት እቲ መስመር በሪ ባሕሪ ምሕላው ንድርድር ኣይቐርብን። ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ኣጀንዳ ዝገበረትሉ ምኽንያት ምስዚ ዝተሓሓዝ ኢዩ።

ግብፂን ኤርትራን ‘ምሕደራን ድሕንነትን ቀይሕ ባሕሪ ዝምልከት ምስቲ ባሕሪ ንዝዋሰና ሃገረት ጥራሕ ኢዩ’ ዝብል ቅዋም ብመሓዝ ዞባዊ ሰላም ብዘላቕነት ኣብ ልውላው ከእቱ ዝኽእል ቅዋም ምስጓም ጀሚረን ኣለዋ፡፡

መርገፂ ናይዘን ሃገራት፣ ኢትዮጵያ ንዘለዋ ሕጋዊ፣ ታሪኻዊን ተፈጥሮኣዊን ናይ ወናንነትን ምጥቃምን መሰል በሪ ባሕሪ ንምኽላእ ዝዓለመ ምዃኑ ግልፂ እዩ። ኢትዮጵያ ካብቲ ዞባ ንምግላልን ኣብ ከበባ ንኽትፀንሕ ዝግበር ፈተነ ንምስባርን ብሄራዊ ረብሓኣ ንምሕላውን ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብሓባር ጠጠው ክብል ትፅቢት ይግበረሉ።

ሃገራት ንዜጋታተንን ብሄራዊ ረብሐአንን ንድርድር ስለዘየቕርባ ኢትዮጵያውያን እውን ነዚ ብሄራዊ ረብሓ ንድርድር ኣይተቕርብዎን።

ኣብ ኢትዮጵያ ከም ብሄራዊ ረብሓ ዝረኣዩ ጉዳያት ናትና ናይ ዜጋታታ ቅዋም ክጠናኸር ኣለዎ። ኣብ ብሄራዊ ረብሓና ምሁራት፣ ተዋሳእቲ ፖለቲካ፣ ትካላት፣ ማሕበረሰብን ብሓፈሻ ብዘፍልልይ “እዚ ቀይሕ መስመረይ እዩ፤ ኣይትንክኡኒ” ዝብል ሓባራዊ ቅዋም ክህልዎም ይግባእ።

ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ምስ ስምዒት ፍቕሪ ሃገር ተተሓሒዙ ክረአ ኣለዎ። ብመሰረት እዚ ብሄራዊ ረብሓታትና ብምልላይ ቀይሕ መስመር ክንሕንፅፅ ይግበአና።

ብሓፈሻ ብሔራዊ ረብሓ ጉዳይ ሓደ ፓርቲ፣ ናይ ስልጣን ወይ ግዝያዊ ፖለቲካ ዘይኮነስ ንህልውና ኩሎም ዜጋታትን ንመፃኢ ዕድል ሃገርን ዝውስን ሓባራዊ ኣጀንዳ እዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ሃብቲ ማያን ኣብ ስትራተጂካዊ ድሌት በሪ ባሕሪን ዘለዋ ቅዋም፤ ድርድር ዘይግበረሉ ሃገራዊ ቀይሕ መስመር ክኸውን ይግባእ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.