Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ብቖራፅነት ዝሕሉ ብቑዕ ሰራዊት

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓቕሚ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብዝያዳ ንምጥንኻር ዝካየድ ስራሕ ብዘይምቁራፅ ኣብ ዝቕፅል ከይዲ ሪፎርም ይርከብ።

ሰራዊት ምክልኻል ዝተቐመጡ ሃገራዊ ዕላማታትን ትልሚታትን ብዝተዋሃሃደ ኣሰራርሓ ብምዕዋት እቲ ዝተውሃቦ ሓላፍነትን ተልእኾን ብልዑል ብቕዓት ይፍፅም ኣሎ።

ቀንዲ ትኹረት እቲ ሰራዊት ሰላምን ፀጥታን ሃገር ምሕላው፣ ህዝቢ ምክልኻልን ከይዲ ልምዓት ካብ ዕንቅፋት ምክልኻልን እንትኸውን። ብመሰረት እዚ ቅድሚ ሕዚ ጎንፂ ኣጋጢሙዎ ኣብ ዝነበሩ ከባቢታት ምርግጋእ ብምፍጣር ህዝቢ ናብ ንቡር ህይወቱ ንኽምለስ ገይሩ እዩ።

ዘላቒ ሰላም ብወታደራዊ ዓቕሚ ጥራይ ክረጋገፅ ስለ ዘይክእል፡ ህዝቢ ኣብ ምርግጋፅ ሰላም ዘበርክቶ ተራ ንምጥንኻር እውን ብሰፊሑ ሰሪሑ እዩ።

ዓቕሚ እቲ ሰራዊት ምስ ምዕባለ ዘበን ንምዝማድ ናብ ዲጂታል ኣሰራርሓ ምስግጋር፣ ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ምዕጣቕ፣ ዓቕሚ ሓይሊ ምድርን ሓይሊ ኣየርን ምዕባይ፣ ከምኡ እውን ኢንዱስትሪ ምክልኻል ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዝፈርዩ ፍርያት ምጥንኻር ዝሓቖፈ ሰፊሕ ስራሕ ውፅኢት ኣምፂኡ እዩ።

ሰራዊት ምክልኻል ትኹረቱ ሰላም፣ ፀጥታን ልኣላዊነትን ሃገር ኣብ ምሕላው ብምግባር ዓቕሚ ኣፈፃፅማ፣ ሓይሊ ሰብ፣ ስልጠና፣ መሰረተ ልምዓትን ልምዓት ኢንዱስትሪ ምክልኻልን ናብ ዝሓሸ ደረጃ ኣሰጋጊሩ እዩ።

ሕዚ ዘሎ ብቕዓትን ቅርፂን ሰራዊት ምክልኻል ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ብውሑስ ኣገባብ ንምሕላው ዘኽእሎ ደረጃ በፂሑ ኣሎ።

ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ከም ዝገልፁ፤ መኸተ ኢትዮጵያ ዝኾነን ብዘበናዊ ኣፅዋር ዝተወደበን እሙን ሰራዊት ምክልኻል ተሃኒፁ እዩ።

ንኣብነት ሓይሊ ኣየር ወለድን ኮማንዶን ብኣካላዊ ብቕዓቱ፣ ብፅንዓቱን ብልዑል ወታደራዊ ፍልጠቱን ኣንፈት ውግእ ክቕይር ዝኽእል ሓይሊ ምዃኑ ምፅራሕ ይከኣል።

እዚ ሓይሊ ኣፀገምቲ ፈተናታት ሓሊፉ ሃገራዊ ሓላፍነቱ ብብቕዓት ብምውፃእ ሃገራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ብተኣማንነትን ብቖራፅነትን የኽብር።

እቲ ሰራዊት ብኣወዳድባ፣ ብፍልጠት፣ ብቴክኖሎጂን ብኩሉ ዘፈራትን ናይ ምህናፅ ከይዲ ተጠናኺሩ ምቕፃሉ ድማ ውዲት ፀላእቲ ከይዕወት ልዑል ግደ ይፃወት።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.