ብፍልስፍና መደመር ብምምራሕ ንፅልዋ ለውጢ ክሊማ ምላሽ ይወሃብ ኣሎ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ብፍልስፍና መደመር ብምምራሕ ንፅልዋታት ለውጢ ክሊማ ምላሽ እናተውሃበ ይርከብ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።
ጉባኤ ለውጢ ክሌማ ሕቡራት መንግስታት (ኮፕ 31)፤ “ካብ ቃላት ሓሊፍካ ናብ ተግባርን ኣፈፃፅማን ምስግጋር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ኣንታልያ ቱርኪየ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ ጉባኤ መደረ ዘስምዑ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዝገለፁዎ፤ ለውጢ ክሊማ ዘስዕቦ ጉድኣት ንምሕዋይ ነዊሕ እዋን ዝወስድ ብምዃኑ፣ ማሕበረሰብ ብምትሕብባርን ኣቐዲሙ ብምንቅስቓስ ዜጋታት ዘፍረዩዎ ንብረት ናይ ምሕላው ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ኣብሪሆም።
ኣብ ኢትዮጵያ ፖሊሲ ክሊማ ፖሊሲ ኢኮኖሚ እዩ ክብሉ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ለውጢ ክሊማ ዶብ ዝሰግር ጉዳይ ምዃኑ ኣመልኪቶም።
ኢትዮጵያ ብቢዓመቱ እተፍርዮ ኤሌክትሪክ ልዕሊ 90 ሚእታዊ ካብ ማይ ዝፍልፍል ምዃኑ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ንጎረባብቲ ሃገራት ዝለኣኽ ቀረብ ሓይሊ እውን ዝሓወሰ ምዃኑ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ መበቆል ቡን ዓረቢካ እኳ እንተኾነት፣ ምውሳኽ ሙቐትን ምዝባዕ ዝርገሐ ዝናብን ኣብ ዝበቑለሎም ደኒታትን ግራወውቲን እናተፈተኑ ከምዝርከቡ ገሊፆም።
ነዞም ፅዕንቶታት ብፍልስፍና መደመር ብምምራሕ ምላሽ እናተውሃቡ ከምዝርከቡ እውን ኣብሪሆም።
እቲ ፍልስፍና ሰባት፣ ትካላትን ሃፍትታትን ኣብ ሓደ ሓባራዊ ዕላማ ንምጥርናፍ ዘኽእል ምዃኑ ብምጥቃስ፤ ንኣብነት ኣብ ዓመት ሚልዮናት ዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ተኸላ ፈልሲ ዘርአዩዎ ንጡፍ ተሳትፎ ኣልዒሎም።
በቲ ዝተዋደደ ርብርብ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 56 ቢልየን ፈልሲ ከምዝተተኸለ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እዚ ድማ ዝተጎድአ መሬት ንኽሓዊ፣ ሽፋን ደን እታ ሃገር ንኽሰፍሕን እታ ሃገር ብሓምለዋይ ንኽትሽፈንን ከምዘኽአለ ገሊፆም።
እዚ ኢኒሼቲቭ ዕድላት ስራሕ ብምፍጣር መነባብሮ ማሕበረሰብ ካብ ምምሕያሹ ብተወሳኺ ምትካል ፈልሲ ባህሊ ዜጋታት ክኸውን ከምዝገበረ ኣመልኪቶም።
ካብዚ ብተወሳኺ ዝተውሃበና መሬት ከነኽብር፣ ምስ ተፈጥሮ ተስማዕሚዕና ክንነብርን ንዝመፅእ ወለዶ እነውርሶም ፀጋታት ተፈጥሮ ክንሕሉን የምህረና ኣሎ ክብሉ ገሊፆም።
እዚ ሰፊሕ ስራሕ ናብ ከተማታት ብምስፋሕ፣ መከላኸሊ ሓደጋ ውሕጅ ብምህናፅ፣ ዝተበከሉ ሩባታት ብምፅራይን ወሰን ሩባታት ስድራቤታት ዝእከቡሎም፣ ቆልዑ ዝፃወቱሎም መዘናግዒታትን ናይ እግሪ መገዲ ንምዝውታርን ዘኽእሉ ቦታታትን ናይ ምግባር ስራሕ ብዝተጠናኸረ መገዲ ይቕፅል ከምዘሎ እውን ኣብሪሆም።
#ኢትዮጵያ #ኮፕ_32_ኢትዮጵያ #COP31 #COP32 #COP32ETHIOPIA #fanamediacorporation
ብዮናስ ጌትነት