Fana: At a Speed of Life!

ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ክሊማን ሓለዋ ከባቢን ኖርወይ ተዛትየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ገንዘብ ቀንዲ ተደራዳሪ ጉባኤ COP32ን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ኣብ ጎኒ ጉባኤ COP31 ምስ ሚኒስትር ክሊማን ሓለዋ ከባቢን ኖርወይ ሲግሩን ጄርሎው ኣስላንድ ተዛትየን።

ክልቲኦም ሚኒስትራት ብፍላይ ኣብ ምድላው ጉባኤ COP32 ዘለዎም ሓባራዊ ድሌት ምትሕብባሮም ብዝያዳ ንምጥንኻር ገሊፆም።

ብተወሳኺ ኣብ ትሕቲ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ዝካየዱ ፃዕርታት ምልማዕ ደን ንምስፋሕን ኣብ ምንካይ ለውጢ ክሊማ ዘለዎ ኣበርክቶ ንምዕባይን ኣድላይነቱ ኣልዒሎም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዩህዝቢ #ዓብዩራኢ #COP32_ኢትዮጵያ #fanamediacorporation

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.