ቼልሲ ድሕሪ ኣርባዕተ ተኸታታሊ ፀወታ ስዕረት ናብ ዓወት ንምምላስ…
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 34 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ቼልሲ ካብ ሜዳኣ ወፃእ ብምጉዓዝ ምሸት ሰዓት 4 ንብራይተን ክትገጥም ኢያ፡፡
ኣብቲ ሊግ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ተኸታተልቲ ፀወታታተ ስዕረት ዘተኣናገደት ቼልሲ ናብ ዓወት ንምምላስ ናብ ሜዳ ክትኣቱ ኢያ፡፡
ድሕሪ ሰለስተ ተኸታተልቲ ፀወታታት ዓወት ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ማዕረ ውጽኢት ዘመዝገበት ብራይተን ብግደኣ ናብ ዓወት ንምምላስ ክትነሓናሕ ኢያ፡፡
ክልቲአን ጋንታታት ሕድሕደን ኣብ ዝገበረኦ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ፀወታታት ብራይተን ሰለስተ ግዘ እነትትዕወት ቼልሲ ክልተ ግዘ ተዓዊታ፡፡
ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ክሪስታል ፓላስ ምስ ዌስትሃም ባዶ ንባዶ ማዕረ ምፍልላየን ስዒቡ፤ ዎልቭስ ሓሙሽተ ፀወታታት እናተረፉ ናብ ሻምፒዮን ሺፕ ምውራዳ ኣረጋጊፃ፡፡
ቶተንሃም ሆትስፐርን በርንሌይን ኣብ ዞባ ምውራድ ዝርከባ ጋንታታት ኢየን፡፡